bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 9
Nehemiah 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ደቂ እስራኤል ተኣኪቦም፥ ወጮ ተኸዲኖም፥ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ፆሙ።
2
ደቂ እስራኤል ካብ ኵሎም ባዕዳን ተፈለዩ። ደው ኢሎም ከዓ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ።
3
ኣብታ ስፍራኦም ደው ኢሎም፥ ሰለስተ ሰዓት መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኣንበቡ፤ ሰለስተ ሰዓት ድማ ተናዘዙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ሰገዱ።
4
እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ባኒ፥ ቀድምኤል፥ ሰበንያ፥ ቡኒ፥ ሰራብያ፥ ባኒ፥ ክናኒ ኾይኖም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሌዋውያን ዝተሰርሐ መድረኽ ደው በሉ፤ ብብርቱዕ ድምፂ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ፀለዩ።
5
እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ቀድምኤል፥ ባኒ፥ ኣሰበንያ፥ ሰራብያ፥ ሆዲያ፥ ሰበንያ፥ ፈታያ ኾይኖም ከምዙይ በሉ፦ “ተስኡ፤ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ንዝነብር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኹ፤ ከምዙይ ከዓ” በሉ፦ “እቲ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ምስጋናን ልዕል ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።”
6
ኦ ጐይታ፥ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር፤ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቶምን፤ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ነዝ ኵሉ ብህይወት እተንብሮ ኸዓ ንስኻ ኢኻ፤ ሰራዊት ሰማይውን ይሰግዱልካ።
7
“ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ፤ ንኣብራም ዝሓረኻዮ፥ ካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውፃእኻዮ፤ ስሙ ድማ ኣብርሃም ኢልካ ሰመኻዮ።
8
ንሱ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ስለ ዘረኸብካዮ ድማ ምስኡ ኺዳን ኣተኻ። ዘርኡ ኣብኣ ምእንቲ ኽነብሩ ኸዓ ምድሪ ከነዓናውያንን፥ ሄታውያንን፥ ኣሞራውያንን፥ ፌርዛውያንን፥ ኢያቡሳውያንን፥ ጌርጌሳውያንን ሃብካዮ። ንስኻ ፃድቕ ስለ ዝኾንካ፥ ነቲ ቓልካ ፈፀምካዮ።
9
“ኣብ ግብፂ፥ እንተለዉውን ጭንቀት ኣቦታትና ረአኻ፤ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እንተለዉ ድማ ኣውያቶም ሰማዕኻ።
10
ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊቱን ኣብ ዅሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎም ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ስምካ ኣፀዋዕኻ።
11
ነቲ ባሕሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ንኽልተ ሰንጠቕካዮ፤ ንቑፅ እናረገፁ ኸዓ ብእኡ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ኣብ ማዕበል ማያት ደርበኻዮም፤ ከም እምኒ ድማ ኣብ መዓሙቕ ሰጠሙ።
12
በቲ ዝኸድዎ መንገዲ፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ምእንቲ ኽተብርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ መራሕኻዮም።
13
“ናብ ልዕሊ እምባ ሲና ወረድካ፤ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ዝኾነ ፍርድታትን ሕግጋትን፥ ፅቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን ከዓ ሃብካዮም።
14
ነታ ቅድስቲ ሰንበትካ ኣፍለጥካዮም፤ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም።”
15
ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።
16
“ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዓበዩ፤ ክሳውዶም ኣትረሩ፤ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን።
17
ምስማዕ ኣበዩ፤ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራትውን ኣይዘከሩን፤ ክሳውዶም ኣትሪሮም፥ ብዓመፃኦም ናብ ባርነት ግብፂ ንኽምለሱ ሓለቓ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ በዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፥ ኣይሓደግካዮምን።
18
ወርቂ ኣፍሲሶም ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ገበሩ፤ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና እዙይ እዩ’ እናበሉ ኬርና ኣቘጥዑኻ።
19
“ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፤ እቲ ብመዓልቲ መንገዲ ዝመርሖም ዝነበረ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ነቲ ዝኸዱሉ መንገዲ ዘብርሀሎም ዝነበረ ዓምዲ ሓዊ ካብኣቶም ኣይረሓቐን።
20
ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም።
21
ኣብ ምድረ በዳ ሓደኳ እንተየጕደልካ፥ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ዝደለይዎ ዅሉ ኣይሰኣኑን፤ ክዳውንቶም ኣይበለየን፤ ኣእጋሮምውን ኣይሓበጠን።
22
“መንግስታትን ሃገራትን ከፊልካ ሃብካዮም፤ ንጉስ ሴዎን ዝገዝኣ ሃገር ሓሴቦንን ንጉስ ዓግ ዝገዝኣ ባሳንን ወረሱ።
23
ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኻዮም፤ ናብታ ነቦታቶም ክኣትዉዋን ክወርስዋን ዘተስፈኻዮም ምድሪ ድማ ኣእተኻዮም።
24
እቶም ደቆም ከዓ ነታ ሃገር ኣትዮም ወረስዋ፤ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነዓናውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኻዮም፥ ንነገስታትን ንህዝብታት እታ ሃገርን፥ ዝደለዩ ኽገብርዎም ድማ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
25
ህዝብኻ ዝተዓረዳ ኸተማታትን ልሙዕ ምድርን ሓዙ። ኵሉ ፅቡቕ ነገር ዝመልኣ ኣባይትን ዝተዅዓተ ሓፅብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ወረሱ እሞ፥ በቲ ዓብዪ ለውሃትካ በልዑን ፀገቡን ሰብሑን ተሓጐሱን።
26
“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
27
ስለዙይ ናብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፤ ንሳቶምውን ኣጨነቕዎም። ብጊዜ መከራኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ኻብ ሰማይ ሰማዕኻ፤ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ካብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሕንዎም መራሕቲ ሃብካዮም።
28
“ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ ግና፥ መሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፤ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከዓ ናባኻ ምስ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕኻዮም፤ ከም ምሕረትካውን ብዙሕ ጊዜ ኣድሓንካዮም።
29
“ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፤ ንትእዛዛትካውን ጠሓሱ። ነቲ ሰብ እንተ ፈፀሞ፥ ህይወት ዝህብ ስርዓታትካ ብምጥሓስ በደሉ፤ ብትዕቢት ዝባኖም መለሱልካ፤ ክሳዶም ኣትሪሮም ድማ ምስማዕ ኣበዩ።
30
ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
31
ግና ንስኻ ምሕረትካ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ፈፂምካ ኣየጥፋእኻዮምን፤ ኣይሓደግካዮምንውን፤ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ።
32
“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።
33
ንስኻስ በቲ ዅሉ ኣባና ዝበፅሐ ፃድቕ ኢኻ፤ ንሕና በደልና እምበር፥ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ ቕኑዕ ኢኻ።
34
ነገስታትናን ኣሕሉቕናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይሓለዉን፤ ንዝመስከርካሎም ትእዛዛትካን ምስክርነትካን ኣይሰምዑን።
35
ኣብ መንግስቶም እንተለዉ ኣብታ ብብዝሒ ለውሃትካ ዝሃብካዮም ገፋሕን ልምዕትን ምድሪ እንተለዉ ኣየምለኹኻን፤ ካብ ክፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን።
36
“እንሆ፥ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፤ ኣብታ ፍረኣን በረኸታን ክበልዑ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ፥ እንሆ፥ ንሕና ኣብኣ ባሮት ኴንና ኣለና።
37
እቶታ ድማ ነቶም ብሰንኪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነገስታት ኮይኑ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ጥሪትናን ከም ዝደለዩ ይገብሩ ኣለዉ፤ ንሕና ኸዓ ኣብ ዓብዪ መከራ ኢና ዘለና።
38
በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።”
← Chapter 8
Chapter 10 →