bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 10
Nehemiah 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ማሕተሞም ዝገበሩሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ወዲ ሓካልያ ሓቴርሰታ ነህምያ፥ ሴዴቅያስ፥
2
ካብ ካህናት፦ ሰራያ፥ ኣዛርያስ፥ ኤርሚያስ፥
3
ፋስኮር፥ ኣማርያ፥ መልክያ፥
4
ሓጡስ፥ ሰበንያ፥ መሉክ፥
5
ካሪም፥ ሜሪሞት፥ ኣብድዩ፥
6
ዳንኤል፥ ጌንቶን፥ ባሮክ፥
7
ሜሱላም፥ ኣብያ፥ ሚያሚን፥
8
መዓዝያ፥ ቤልጋይ፥ ሸማያ፥ እዚኣቶም ካህናት ነበሩ።
9
ካብ ሌዋውያን፦ ኢያሱ ወዲ ኣዛንያ፥ ቢንዊ ኻብ ደቂ ኤንሓደድ፥ ቀድምኤል፥
10
ኣሕዋቶም ድማ፦ ሰባንያ፥ ሆድያ፥ ቆሊጣስ፥ ፊልያ፥ ሓናን፥
11
ሚካ፥ ረኣብ፥ ሓሸብያ፥
12
ዘኩር፥ ሰራብያ፥ ሰበንያ፥
13
ሆዲያ፥ ባኒ፥ ብኒኑ።
14
ኣሕሉቕ ህዝቢ፦ ፋሮስ፥ ፈሓት ሞኣብ፥ ዔላም፥ ዛቱዕ፥ ባኒ፥
15
ቡኒ፥ ዓዝጋድ፥ ቤባይ፥
16
ኣዶንያስ፥ በጉዋይ፥ ዓዲን፥
17
ኣጤር፥ ሕዝቅያስ፥ ዓዙር፥
18
ሆዲያ፥ ሓሱም፥ ቤሳይ፥
19
ሓሪፍ፥ ዓናቶት፥ ኖባይ፥
20
መግጲዓስ፥ ሜሱላም፥ ኤዚር፥
21
ሜሴዜቤል፥ ሳዶቅ፥ ያዱዓ፥
22
ፈላጥያ፥ ሓናን፥ ዓናያ፥
23
ሆሴዕ፥ ሓናንያ፥ ኣሱብ፥
24
ኣሌኤስ፥ ፊልሓ፥ ሶቤቅ፥
25
ሬሑም፥ ሓሰብና፥ መዕሴያ፥
26
ኣኪያ፥ ሓናን፥ ዓናን፥
27
መሉክ፥ ካሪም፥ በዓና።
28
“እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ህዝቢ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ናታኒምን ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን ንሕጊ እግዚኣብሄር ተኣዘዝቲ ዝኾኑ፥ ነፍሶም ካብቶም ጓኖት ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ዅላቶምን፥ ምስ ኣንስቶምን ምስቶም ኣብ ምስትውዓል ዝበፅሑ ደቆምን ኮይኖም፥
29
ምስቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ መራሕትን ሓቢሮም ነቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ባርያኡ ሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ሕጊ ኣምላኽ ክፍፅሙ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕግጋትን ኵሉ ኽሕልዉዎን ክፍፅምዎን ማሕላን መርገምን ገበሩ።
30
“ነቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ጓኖት ኣጓላትና ኸይንህብ፥ ነወዳትና ኸዓ ኣጓላቶም ከይንወስድ ንምሕል ኣለና።
31
“እቶም ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ጓኖት ህዝቢ በብዓይነቱ ሸቐጥን እኽልን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ክሸጥዎ ኢሎም ዘምፅእዎ፥ ብመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካብኣቶም ኣይንዕድግን ኢና። በብሻውዐይቲ ዓመት ከዓ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ክንሓድጋ ኢና፤ ነቶም ሰብ ዕዳውን ክንሓድገሎም ኢና ኢሎም መሓሉ።
32
“ንኣገልግሎት ቤተ መቅደስ ዝውዕል ሓሙሽተ ግራም ብሩር በብዓመት ክንከፍል ኢና።
33
ንኣምልኾ ኣምላኽና ዝውዕል ሕብስቲ ቝርባንን፥ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ ብልዕን፥ ነቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ነቲ ናይ ሰናብትን ናይ ሰርቀ ወርሕን፥ ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን፥ ንስርየት ሓጢኣት እስራኤል ዝኸውን መስዋእትን፥ ንቤተ መቅደስ ዘድሊ ኻልእ ነገርን ክንህብ ኢና።
34
“ንሕና ካህናትን ሌዋውያንን ህዝብን፥ ከም ቤት ኣቦታትና ብዝተወሰነ ጊዜ በብዓመቱ፥ ናብ ቤት ኣምላኽና ኣምፂእና፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓዊ ምእንቲ ኽነድድ፥ ዕንፀይቲ ዘምፅእ መን ምዃኑ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ዕፃ ኣውደቕና።
35
“በዅራት ፍረ ምድርናን በዅራት ፍረ ኣእዋምን በብዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክነምፅእ ኢና።
36
“ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ በዅሪ ደቅናን እንስሳናን በዅሪ ኸፍትናን ኣባጊዕናን ናብቶም ንቤት ኣምላኽና ዘገልግሉ ኻህናት፥ ናብ ቤት ኣምላኽና ኽነምፅእ ኢና።
37
“ቀዳማይ ብሑቝናን፥ ናይ መስዋእቲ እኽልናን፥ ፍረ ዅሉ ዓይነት ኣእዋምን፥ ናይ ወይንን ናይ ዘይትን፥ ንኻህናት ኣስራት እናውፃእና ኽንህብ ኢና። ኣብ ኵሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዓስራት ዝወስዱ ሌዋውያን እዮም እሞ፥ ናይ ምድርና ዓስራት ኽነምፅአሎም ምሒልና ኢና።
38
ሌዋውያን ዓስራት ክወስዱ እንተለዉ ድማ፥ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፥ ምስቶም ሌዋውያን ይሃሉ። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዓስራት ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ የእትዉ።
39
እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከዓ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዝለዓል መስዋእቲ ናብቲ ቤት መዛግብቲ እዮም ዘምፅእዎ፤ ኣብኡ ኸዓ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን እቶም ዘገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደገታትን ዘመርትን እዮም ዘለዉ። እምበኣር ቤት ኣምላኽና ኸቶ ኣይንሓድግን ኢና።”
← Chapter 9
Chapter 11 →