bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 8
Nehemiah 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ማይ ዝበሃል ገፊሕ ቦታ ተኣከቡ። ንእዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸምፅአሎም ጠየቕዎ።
2
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ቘልዑ ዅላቶምን፥ ነቲ ሕጊ ኣምፅኦ።
3
ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኸዓ ኽሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፥ ኣብታ መረኣእይቲ ኣፍ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ቅድሚ ኸስተውዕሉ ዝኽእሉ ዅላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። እዝኒ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኽሰምዕ ፅን ይብል ነበረ።
4
እዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ ኣብቲ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ፥ ብየማኑ ድማ መቲትያን ሽማዕን ዓናያን ኦርዮን ኬልቂያስን መዕሰያን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ብፀጋሙ ኸዓ ፈዳያን ሚሳኤልን መልክያን ሓሱምን ሓሽበዳናን ዘካርያስን ሜሱላምን ደው ኢሎም ነበሩ።
5
እዝራ ድማ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ይሪእዎ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከዓ ነቲ መፅሓፍ ቀልዖ። ምስ ቀልዖ ድማ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደው በሉ።
6
እዝራ ኸዓ ንእግዚኣብሄር፥ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽ ኣመስገነ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኣእዳዎም ዘርጊሖም “ኣሜን፥ ኣሜን” በሉ፤ ድንን ኢሎም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፊኦምውን ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።
7
እቶም ህዝቢ ኣብ ቦታኦም ደው ምስ በሉ ድማ፥ ኢያሱ፥ ባኒ፥ ሰራብያ፥ ያሜን፥ ዓቁብ፥ ሳባታይ፥ ሆዲያ፥ መዕሴያ፥ ቆሊጣስ፥ ኣዛርያስ፥ ዮዛባት፥ ሓናን፥ ፌልያ ዝበሃሉ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ፥ ሕጊ ኸስተውዕል ይምህርዎ ነበሩ።
8
ነቲ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ብግልፂ ኣንበቡሎም፤ እቶም ህዝቢ ነቲ ዝተነበበ ምእንቲ ኸስተውዕልዎ ይገልፁሎም ነበሩ።
9
ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ቓል ሕጊ ምስ ሰምዑ በኸዩ። ነህምያ እቲ ገዛኢ ሃገርን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን፥ እቶም ንህዝቢ ዝምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሉ እቲ ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፥ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን” በልዎም።
10
ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።
11
እቶም ሌዋውያን ከዓ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ስቕ በሉ፤ ኣይትሕዘኑ” እናበሉውን ኣህድእዎም።
12
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ዝነገርዎም ቃል ስለ ዘስተውዓልዎ ኽበልዑን ክሰትዩን ነቶም ዘይብሎምውን ከፊሎም ክሰዱሎምን፥ ዓብዪ ሓጐስ ክሕጐሱ ነናብ ገዝኦም ከዱ።
13
በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ዅሉ ህዝቢ፥ ምስቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ቃል እቲ ሕጊ ኽገልፀሎም፥ ናብ እቲ ፀሓፊ እዝራ ተኣከቡ።
14
በታ ሻውዐይቲ ወርሒ እትብዓል በዓል ዳስ ደቂ እስራኤል ኣብ ዳስ ክቕመጡ ኸም ዘለዎም ኣብቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞም ሕጊ ተፅሒፉ ረኸቡ።
15
ስለዙይ ናብ ኵለን ከተማታቶምን ናብ ኢየሩሳሌምን “ናብ እምባ ደይቡ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝበሎ ዳስ ንምስራሕ፥ ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ ዘይትን ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ በረኻን ጨናፍር ክሊዐውን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋምን ኣምፅኡ” ኢሎም ኣስምዑን ኣወጁን።
16
ሽዑ እቶም ህዝቢ ወፂኦም ጨናፍር ኣምፅኡ፤ ኣብ ልዕሊ ናሕሶምን ኣብ ቕፅሮምን ኣብ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ዳሳት ሰርሑ።
17
ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ ኸዓ ዳሳት ሰሪሖም፥ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ካብ ዘመን ኢያሱ ወዲ ነዌ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂ እስራኤል ከምዙይ ገይሮም ኣብዒሎም ኣይፈልጡን ነበሩ እሞ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
18
እዝራ ኻብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ መዓልቲ፥ በብመዓልቱ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ የንብብ ነበረ። ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኸምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ዝተቐደሰ ጉባኤ ገበሩ።
← Chapter 7
Chapter 9 →