bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 7
Nehemiah 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ እቲ ቕፅሪ ምስ ተነድቀ፥ መዓፁ ኣቖምኩሉ፤ ሓለውቲ ደገን ዘመርቲ ሌዋውያንን ድማ ኣብ ሰስራሖም ተመደቡ፤
2
ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ሓለቓ ዕርዲ ዝነበረን፥ ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌም ገይረ ሸምኩዎም። ሃናንያ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለፀ እሙንን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ።
3
ኣነ ድማ ንኣኣቶም፦ “ንግሆ ፀሓይ ክሳዕ ዝመውቕ፥ ደገታት ኢየሩሳሌም ኣይከፈቱ፥ ምሸት ከዓ እቶም ሓለውቲ ቕድሚ ምኻዶም ይተዓፆን ይሸጐርን፤ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብተራኡ፥ ቀቅድሚት ቤቱ ይሓሉ” በልክዎም።
4
እታ ኸተማ ኸዓ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ህዝቢ ግና ውሑዳት ነበሩ። እቶም ኣባይቲ ድማ ገና ኣይተሰርሑን ነበሩ።
5
ነቶም ህዝብን መራሕቶምን ሹመኛታትን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ምእንቲ ኽፀሓፉ፥ ክእክቦም ድማ ኣምላኸይ ንልበይ ኣለዓዓለ። ናይቶም ቅድም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ መፅሓፍ ወለዶኦም ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ ረኸብኩ፦
6
እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበረ እሞ፥ ካብ ምርኮ ተመሊሶም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝመፁ፥ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም፦
7
እቶም መራሕቶም ዘሩባቤል፥ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ኣዛርያስ፥ ረዓምያ፥ ነሓማኒ፥ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ ሚስጴሬት፥ በጉዋይ፥ ነሑም፥ በዓና ነበሩ። ብዝሒ ናይቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ እስራኤል እዙይ እዩ፦
8
ደቂ ፋሮስ፥ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤
9
ደቂ ሰፋጥያስ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤
10
ደቂ ኤራ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን፤
11
ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ዝኾኑ፥ ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን፤
12
ደቂ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤
13
ደቂ ዛቱዕ፥ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤
14
ደቂ ዘካይ፥ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን፤
15
ደቂ ቢንዊ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤
16
ደቂ ቤባይ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤
17
ደቂ ዓዝጋድ፥ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤
18
ደቂ ኣዶኒቃም፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሸውዓተን፤
19
ደቂ በጉዋይ፥ ክልተ ሽሕን ስሳን ሸውዓተን፤
20
ደቂ ዓዲን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን፤
21
ደቂ ኣጤር፥ ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ፥ ተስዓን ሸሞንተን፤
22
ደቂ ሓሱም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤
23
ደቂ ቤሳይ፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን፤
24
ደቂ ሓሪፍ፥ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን፤
25
ደቂ ገባዖን፥ ተስዓን ሓሙሽተን፤
26
ሰብ ቤተ ልሔምን ነጦፋን፥ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን፤
27
ሰብ ኣናቶት፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤
28
ሰብ ቤትዓዝሞት፥ ኣርብዓን ክልተን፤
29
ሰብ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን፥ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን፤
30
ሰብ ራማን ጌባን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤
31
ሰብ ማክማስ፥ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤
32
ሰብ ቤቴልን ዓይን፥ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን፤
33
ሰብ ካልአይ ናባውን፥ ሓምሳን ክልተን፤
34
ደቂ ኻልአይ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤
35
ደቂ ካሪም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን፤
36
ደቂ ኢያሪኮ፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤
37
ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖም፥ ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤
38
ደቂ ሴናዓ፥ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን።
39
ካህናት ድማ ካብ ወገን ኢያሱ፦ ደቂ ዮዳኤ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን፤
40
ደቂ ኢሜር፥ ሽሕን ሓምሳን ክልተን፤
41
ደቂ ፋስኮር፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን፤
42
ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን።
43
ካብ ሌዋውያን፥ ካብ ወገን ሆዳይዋ፥ ደቂ ኢያሱን፥ ደቂ ቀድምኤልን ሰብዓን ኣርባዕተን፤
44
መዘምራን ድማ፥ ደቂ ኣሳፍ፥ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤
45
ሓለውቲ ደገ፦ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጤልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ ሚእትን ሰላሳን ሸሞንተን።
46
ናታኒም ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጣብዖት፥
47
ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥
48
ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ሰምላይ፥
49
ደቂ ሓናን፥ ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥
50
ደቂ ራያ፥ ደቂ ረኣሶን፥ ደቂ ኔቆዳ፥
51
ደቂ ጋሴም፥ ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥
52
ደቂ ቤሳይ፥ ደቂ ምዑናም፥ ደቂ ንፉሳሲም፥
53
ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቀፉ፥ ደቂ ሓርሑር፥
54
ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሻ፥
55
ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥
56
ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ።
57
ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥
58
ደቂ የዕላ፥ ደቂ ደርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥
59
ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፊከራት ሓፂቦይም፥ ደቂ ኣሞን፥
60
ኵሎም ናታኒምን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን ነበሩ።
61
ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ካብተን ቴልሜላ፥ ቴላሬሳ፥ ክሩብ ኣዶን፥ ካብ ኢሜር ዝወፁ እዚኣቶም እዮም፤ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ሰባት ነበሩ። ግና ኻብ ህዝቢ እስራኤል ምዃኖም ከረድኡን ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ኣይከኣሉን።
63
ካብ ካህናት ከዓ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ ቤርዜሊ። (እዙይ ንደቂ ቤርዜሊ ዝወለደ፥ ካብ ዓሌት ቤርዜሊ ናይ ገለዓድ ሰበይቲ ኣእትዩ ብሽም ሓሙኡ ዝተፀውዐ እዩ።)
64
እዚኣቶም ፅሑፍ ወለዶኦም ደልዮም ስለ ዘይረኸብዎ፥ ብኽህነት ከየገልግሉ ድማ ተኸልከሉ።
65
ሓቴርሰታም ድማ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ዘገልግል ካህን ክሳዕ ዝርከብ ካብቲ ዝተቐደሰ ሕብስቲ ቝርባን ከይበልዑ ኸልከሎም።
66
ኵሉ እቲ ኻብ ምርኮ ዝተመለሰ ህዝቢ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ነበረ።
67
ንሳቶም ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሓሻኽርን ኣግራድን ነበርዎም። ዝዝምሩ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም።
68
ንሳቶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን ኣፍራስ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ኣባቕል፥
69
ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ኣግማል፥ ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ኣእዱግ ነበርዎም።
70
ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፥ ብዙሓት ሰባት ነቲ ስራሕ ዝኸውን ውህብቶ ሃቡ። ሓቴርሰታ ሸሞንተ ኺሎ ግራም ወርቅን ሓምሳ ፅዋዓትን ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ቅያር ክዳን ካህናትን ሃበ።
71
ሓድሓደ ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኪሎ ግራም ብሩርን ሃቡ።
72
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ስሳን ሸውዓተን ቅያር ክዳን ካህናትን ወፈዩ።
73
ኵላቶም ካህናት እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ መዘምራን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን፥ ናቲኒምን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። ብሻውዐይቲ ወርሒ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።
← Chapter 6
Chapter 8 →