bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 6
Nehemiah 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።
2
ሰንባላጥን ጌሳምን ከዓ ኣብ ልዕለይ ክፉእ ክገብሩ ሓሲቦም ስለ ዝነበሩ “ነዓ፥ ካብተን ኣብ ጐልጐል ኦኖ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ሓንቲ ንራኸብ” ኢሎም ለኣኹለይ።
3
ኣነ ድማ “ኣነስ ዓብዪ ስራሕ እሰርሕ ኣለኹ እሞ፥ ክወርድ ኣይክእልን እየ። ነቲ ስራሕ ሓዲገ ናባኻትኩም ብምውራደይ ንምንታይ እቲ ስራሕ ዝተኣጓጐል!” ኢለ ለኣኽኩሎም።
4
በዝ ነገር እዙይ ድማ ኣርባዕተ ሻዕ ለኣኹለይ፤ ኣነ ኸዓ ኸምኡ ገይረ መለስኩሎም።
5
ሽዑ ሰንባላጥ ሓንቲ ኽፍትቲ መልእኽቲ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ ንሓምሻይ ጊዜ ሓሽከሩ ለኣኸለይ።
6
እታ መልእኽቲ ኸምዙይ ትብል ነበረት፦ “ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፥ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፤ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይውን ጌሳም ኣረጋጊፁለይ ኣሎ። ምእንቲ እዙይ ድማ ቕፅሪ ትሰርሕ ከም ዘለኻ፥ ንስኻ ንጉሶም ክትከውን ከም ዝደለኻውን ኣብ ኣህዛብ ይስማዕ ኣሎ።
7
ከምኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባኻ ‘ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ’ ኢሎም ዝእውጁ ነቢያት ከም ዘቖምካ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንጉስ እንተይሰምዖ ኣይተርፍን እዩ እሞ፥ ሕዚ ነዓ ብሓደ ኴንና ንመኻኸር ዝብል ቅሉዕ ደብዳቤ ነበረ።”
8
ሽዑ ኣነ “እዙይስ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ደኣ እዩ እምበር፥ እቲ ዝበልካዮ ነገር ሓቂ ኣይኮነን” ኢለ ለኣኽኩሉ።
9
ንሳቶም እቲ ስራሕ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ኣእዳዎም ክደኽማ እየን ኢሎም ከፈራርሑና ይፍትኑ ነበሩ። ሕዚ እውን፥ ኦ ኣምላኽ፥ ኣእዳወይ ኣፅንዕ!
10
ኣነ ኸዓ ናብ ቤት ሸማያ፥ ወዲ ድላያ ወዲ መሄጣብኤል ኣተኹ። ንሱ ድማ ኣብ ገዛኡ ተዓፅዩ ነበረ እሞ “ክቐትሉኻ ኽመፁ እዮም፤ እወ፥ ብለይቲ ኽቐትሉኻ ኽመፁ እዮም እሞ ነዓ ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽና ንእቶ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስውን ብውሽጢ ንዕፀዎ” በለኒ።
11
ኣነ ኸዓ “ከማይ ዝበለ ሰብዶ ይሃድም? ከማይ ዝበለኸ ምእንቲ ህይወቱ ኸድሕን ኢሉ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱዶ ይግባእ? ኣነስ ኣይኣቱን” በልኩዎ።
12
ጦብያን ሰንባላጥን ንሸማያ ብገንዘብ ሓቢሎምዎ ኸፈራርሐኒ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ከም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ።
13
ስለዙይ ናብ ሓጢኣት ምእንቲ ኽወድቕ ከፈራርሐኒ፥ በዙይ ከዓ ስመይ ከካፍኡንን ከዋርዱንን ንሸማያ ብገንዘብ ደለልዎ።
14
“ኦ ኣምላኸይ፥ ብዛዕባ እዝ ግብሮም ንጦብያን ንሰንባላጥን ንነቢዪት ናኣድያን ነቶም ዘፈራርሑኒ ኻልኦት ነቢያትን ዘክር።”
15
እቲ መካበቢያ ብወርሒ ኤሉል ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፥ ኣብ ውሽጢ ሓምሳን ክልተን መዓልቲ ተፈፀመ።
16
ኵሎም እቶም ፀላእትና ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ዙርያና ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብውን ምስ ረአዩ ፈርሑ፤ ብሓሳባቶም ድማ የመና ተዋረዱ፤ እዝ ስራሕ እዙይ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም ዝተፈፀመውን ፈለጡ።
17
በተን መዓልቲታት እቲኣተን እቶም ዓበይቲ ይሁዳ ብዙሕ መልእኽትታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፤ ጦብያውን ምላሽ ይሰደሎም ነበረ።
18
ሴኬንያ ወዲ ኤራ ንጦብያ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፤ ይሆሓናን ወዲ ጦብያ ኸዓ፥ ጓል ሜሱላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ተመሓሒሎም ነበሩ።
19
“ጦብያ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት” እናበሉ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፤ ዘረባይ ከዓ ይነግርዎ ነበሩ፤ ጦብያ ድማ ኸፈራርሐኒ ኢሉ፤ መልእኽትታት ይሰደለይ ነበረ።
← Chapter 5
Chapter 7 →