bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 5
Nehemiah 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጥርዓን ኣስምዑ።
2
ገሊኣቶም “ንሕናን ደቅናን ብዙሓት ኢና፤ ስለዙይ ክንበልዕ እሞ ብህይወት ክንነብርስ እኽሊ ኽንሽምት” ዝብሉ ነበሩ።
3
ገሊኣቶም ድማ “ስለ ዝጠመና እኽሊ ኽንሽምት ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣባይትናን ኣትሒዝና ኣለና” ይብሉ ነበሩ።
4
ገሊኣቶም ከዓ “ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝና፥ ንንጉስ ግብሪ ኽንከፍል ገንዘብ ተለቂሕና ኢና።
5
ሕዚ ድማ ስጋና ከም ስጋ ኣሕዋትና፥ ደቅና ኸዓ ኸም ደቆም ሓደ እናሃለዉ፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና። ካብተን ኣጓላትና ድማ ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ። ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፥ ክነድሕኖም ኣይንኽእልን” ይብሉ ነበሩ።
6
ኣነ ኸዓ ኣውያቶምን ነዝ ቃል እዙይን ምስ ሰማዕኹ፥ የመና ተቘጣዕኹ።
7
ብልበይውን ሓሰብኩ፤ ነቶም ዓበይትን ኣሕሉቕን ከዓ “ካብ ኣሕዋትኩም ሃረፃ ትበልዑ ኣለኹም” ኢለ ዘለፍክዎም፤ ብዛዕባ እዙይውን ዓብዪ ኣኼባ ኣከብኩዎም፤
8
ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣሕዋትና ኣይሁድ ኸም ዓቕምና ተቤዘውናዮም። ንስኻትኩምከ ነሕዋትኩምዶ ኽትሸጡ ኢኹም? ንሳቶምከ ነኣና ዝተሸጡዶ ክኾኑ እዮም?” በልኩዎም፤ ንሳቶምውን ስቕ በሉ፤ መልሲውን ኣይረኸቡን።
9
መሊሰ ድማ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። እቶም ፀላእትና ኣህዛብ ምእንቲ ኸይፀርፉና፥ ንኣምላኽና ብምፍራሕ ክትከዱ ኸመይ ዘይግብአኩም?
10
ኣነን ኣሕዋተይን ሓሻኽረይን ድማ ገንዘብን እኽልን ንኣኣቶም ብሃረፃ ኣለቂሕናዮም ኣለና፤ ግና፥ በይዛኻትኩም፥ እዝ ሃረፃ እዙይ ንሕደገሎም።
11
ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዶምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፤ ናይቲ እቲ ንስኻትኩም ካብኣቶም ብሃረፃ ዝወሰድኩምዎ ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከዓ፥ ካብ ሚእቲ ኢድ፥ ሓደ ኢድ በይዛኻትኩም ሎሚ ምለሱሎም” በልክዎም።
12
ንሳቶም ድማ “ከምቲ ንስኻ ዝበልካና ንገብር፤ እቲ ዝወሰድናዮ ንመልስ፤ ካብኣቶም ድማ ዝኾነ እኳ ኣይንጥይቕን” በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ፀዊዐ ኸምቲ ዝበልዎ ኽገብሩ ኣምሓልክዎም።
13
ኣነ ድማ ኽዳነይ ነገፍኩሞ “ኵሉ ነዝ ማሕላ እዙይ ዘይፍፅም ሰብ፥ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምዙይ ይንገፎ፤ እወ፥ ንጉፍን ጥራሑን ይኹን” በልኩ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝተአከቡ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” በሉ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ፤ እቶም ህዝቢ እውን ከምቲ ዝተብሃለ ገበሩ።
14
ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሓለቓኣቶም ክኸውን ዝተኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ካብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ዝኣክል ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሓለቓ ዝግባእ ምግቢ ኣይበላዕናን።
15
እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።
16
መሊሰውን ብምሉእ ሓይለይ ነቲ ቕፅሪ አዕሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይዓደግናን፤ ኵሎም እቶም ሓሻኽረይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ስራሕ ተኣኪቦም ነበሩ።
17
ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመፁ ኣህዛብ፥ ካብ ኣይሁድን ኣሕሉቕን፥ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ ማእደይ ይምገቡ ነበሩ።
18
ንሓንቲ መዓልቲ ዝዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን ካብ ኣዕዋፍን ይዳለወለይ ነበረ። በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ በብዓይነቱ ዝተፈላለየ ወይኒ ይዳለወለይ ነበረ። በዝ ዅሉ ግና፥ ነቲ ህዝቢ ኸቢድዎ ነበረ እሞ እቲ ንሽመተይ ዝግብአኒ ምግቢ እኳ ሃቡኒ ኣይበልኩን።
19
ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ንፅቡቕ ሕሰበለይ።
← Chapter 4
Chapter 6 →