bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 12
Nehemiah 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ምስ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያልን ምስ ኢያሱን ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፦ ካህናት፦ ሰራያ፥ ኤርሚያስ፥ እዝራ፥
2
ኣማርያ፥ መሉክ፥ ሓጡስ፥
3
ሴኬንያ፥ ሬሑም፥ ሜሪሞት፥
4
ኣዶ፥ ጊንቶን፥ ኣቢያ፥
5
ሚያሚን፥ መዓድያ፥ ቢልጋ፥
6
ሻማያ፥ ዮያሪብ፥ ዮዳዔ፥
7
ሰሉ፥ ዓሞቅ፥ ኬልቅያስ፥ ዮዳኤ እዮም። እዚኣቶም ብዘመን ኢያሱ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ኣሕሉቕ ነበሩ።
8
ሌዋውያን፦ ኢያሱ፥ ቢንዊ፥ ቀድምኤል፥ ሰራብያ፥ ይሁዳ፥ መታንያ፥ እዚኣቶም ኵሎም መራሕቲ መዝሙር ምስጋና ነበሩ።
9
ኣሕዋቶም በቅቡቅያን ዑኒን ከዓ በብሰሙኖም ኣብ መንፅሮም ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ።
10
ኢያሱ ኸዓ ንዮኣቂም ወለደ፤ ዮኣቂም ንኤልያሴብ ወለደ፤ ኤልያሴብ ንዮኣዳ ወለደ።
11
ዮኣዳ ንዮናታን ወለደ፤ ዮናታን ንያዱዓ ወለደ።
12
ብዘመን ዮኣቂም ሊቀ ካህናት ኣሕሉቕ ማይ ቤት ካህናት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ማይ ቤተ ሰራያ ምራያ፥ ካብ ኤርሚያስ ሓናንያ፥
13
ካብ እዝራ፥ ሜሱላም፤ ካብ ኣማርያ፥ ይሆሓናን፤
14
ካብ መሉኪ፥ ዮናታን፤ ካብ ሰበንያ፥ ዮሴፍ፤
15
ካብ ካሪም፥ ዓድና፤ ካብ መራዮት፥ ሔልቃይ፤
16
ካብ ዓዶ፥ ዘካርያስ፤ ካብ ጌንቶን፥ ሜሱላም፤
17
ካብ ኣቢያ፥ ዝክሪ፥ ካብ ሚያሚን፥ ካብ ሞዓድያ፥ ፊልጣያ፤
18
ካብ ቢልጋ፥ ሳሙስ፤ ካብ ሸማያ፥ ዮናታን፤
19
ካብ ዮያሪብ፥ መትናይ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ኦዚ፤
20
ካብ ሳላይ፥ ቃላይ፤ ካብ ዓሞቅ፥ ዔበር፤
21
ካብ ኬልቂያስ፥ ሃሸብያ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ናትናኤል።
22
ኤልያሴብን ዮኣዳን ዮሓናን ያዱዓን ሊቃነ ኻህናት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን እቶም ሌዋውያን በብሓለቓ ማይ ቤት ኣቦታቶም ተፅሓፉ፤ እዙይ ብዘመን መንግስቲ ዳርዮስ በዓል ፋርስ ኮነ።
23
እንተ ኾነ እቶም ደቂ ሌዊ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ጥራሕ ኣብቲ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፉ።
24
ሓሸብያ፥ ሰራብያ፥ ኢያሱ፥ ቀድምኤል ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነበሩ። ምስቶም ብፆቶም ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዳዊት ዝኣዘዞ እናተቐባበሉ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ።
25
መታንያ፥ በቅቡቅያ፥ ኣብድዩ፥ ሜሱላም፥ ጤልሞን፥ ዓቁብ፥ ሓለውቲ ደገ ነበሩ። ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ድማ ይሕልዉ ነበሩ።
26
እዚኣቶም ብዘመን ዮኣቂም ወዲ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን፥ ብዘመን እቲ ሓለቓ ነህምያን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን ነበሩ።
27
ቅፅሪ ኢየሩሳሌም፥ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ምእንቲ ኽምርቕዎ፥ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ ገበርዎም።
28
እቶም ዘመርቲ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ነበሩ እሞ፥ ካብቲ ጐልጐል ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን፥
29
ካብ ቤት ጌልገላን ካብ ምድሪ ጌባን ዓዝሞትን ተኣከቡ።
30
እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ርእሶም ኣንፅሁ፤ ነቲ ህዝብን ንደገታትን ነቲ ቕፅርን ከዓ ኣንፅህዎ።
31
ንኣሕሉቕ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣደየብክዎም። ዘመስግኑ ኸዓ ኽልተ ዓበይቲ መስርዕ መዘምራን ኣቖምኩ፤ እቶም ሓደ መስርዕ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣፍ ደገ መጕሓፊ ብወገን የማን ኣቢሎም ዞሩ።
32
ሆሻያን፥ ፍርቂ ኣሕሉቕ ነገድ ይሁዳን ከዓ ሰዓቡዎም።
33
ኣዛርያስን እዝራን ሜሱላምን፥
34
ይሁዳን ብንያምን ሸማያን ኤርሚያስን ሰዓብዎም።
35
ካብ ደቂ ካህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም ሰዓብዎም። ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሸማያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካያ፥ ወዲ ዘኩር፥ ወዲ ኣሳፍ ሰዓቦም።
36
ኣሕዋቱ፥ ሸማያ፥ ኤዝርኤል፥ ሚላላይ፥ ጊላላይ፥ መዓይ፥ ናታናኤል፥ ይሁዳ፥ ኣናኒ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዳዊት ዝቓንዮ ዝነበረ መሳርሒ ሙዚቃ ዝመስል ሒዞም ሰዓቡ፤ እዝራ እቲ ፀሓፊ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።
37
ኣብ ደገ ዒላ ምስ በፅሑ፥ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዘደይብ መደያይቦ ኣቢሎም ናብ ቤተ መንግስቲ ዳዊት በፅሑ፤ ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዘብል ኣፍ ደገ ማይ ድማ ደየቡ።
38
እቶም ዘመስግኑ ኻልኣይ መስርዕ መዘምራን ከዓ ኽራኸብዎም ናብ ፀጋም ኣቢሎም ይዞሩ ነበሩ። ኣነን ፍርቂ እቲ ህዝብን ድማ ኻብ ግንቢ እቶን ክሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ብልዕሊ እቲ መካበቢያ ጌርና ደድሕሪኣቶም ከድና።
39
ብልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤል በቲ ሚእቲ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ዘይሮም ድማ ኣብ ደገ ሓለውቲ ቖሙ።
40
እቶም ክልተ መስርዕ ዘመስግኑ መዘምራን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቆሙ። ኣነ ኸዓ ምስ ፈረቓ እቶም ሹመኛታትን፥
41
እቶም ካህናት ድማ ኤልያቄም፥ መዕሴያ፥ ሚንያሚን፥ ሚካያ፥ ኤልዮዔናይ፥ ዘካርያስ፥ ሓናንያ፤ እዚኣቶም መለኸት ሒዞም ነበሩ።
42
ደድሕሪኣቶም ድማ መዕሴያን ሸማያን ኣልኣዛርን ኦዚን ይሆሓናንን መልክያን ዔላምን ዔፅርን ቆምን ሰዓቡ። እቶም ዘመርቲ ኸዓ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፤ ይዝረሕያ ድማ ሓለቓኦም ነበረ።
43
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ፤ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ደስ በሎም፤ እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን ከዓ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ።
44
ህዝቢ ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን፥ ሪኦም ተሓጐሱ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዝውፈ መስዋእትታትን በዅራትን ዓስራትን፥ ካብ ኵሉ ማሕረስ እተን ከተማታት፥ ከምቲ ሕጊ ግደ ካህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዝእክቡሉ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ ዝእክቡ ዋናታት ኣቖሙ።
45
እቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ናይ ምንፃህ ስርዓትን ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎሞን ወዱን ሓለዉ።
46
ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍን፥ ኣሕሉቕ ዘመርቲ ነበሩ፤ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን የቕርቡ ነበሩ።
47
ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከዓ ዅሎም እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን በብመዓልቱ ዘድልዮም ይህብዎም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ ኻብቲ ዝተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ይህብዎም ነበሩ።
← Chapter 11
Chapter 13 →