bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 11
Nehemiah 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም መራሕቲ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና፥ ከካብ ዓሰርተ ስድራ ሓደ ስድራ ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ፥ እቶም ትሽዓተ ኢድ ከዓ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ክቕመጡ ዕፃ ኣውደቑ።
2
ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ ዝፈተዉ ዅሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቖም።
3
ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልገሉን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።
4
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ደቂ ይሁዳን ደቂ ብንያምን እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ይሁዳ፦ ዓታያ ወዲ ዖዝያ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ማላልኤል፥ ካብ ደቂ ፋሬስ፤
5
መዕሴያ ወዲ ባሮክ፥ ወዲ ኮልሖዜ፥ ወዲ ዖዛያ፥ ወዲ ዓዳያ፥ ወዲ ዮያሪብ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ካብ ደቂ ሴሎና።
6
ካብ ማእኸል ዘርኢ፥ ፋሬስ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ሰባት ሓያላት ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ።
7
ካብ ደቂ ብንያም፦ ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ዮእድ፥ ወዲ ፈዳያ፥ ወዲ ቆላያ፥ ወዲ መዕሴያ፥ ወዲ ኢቲኤል፥ ወዲ የሻያ፥
8
ድሕሪኡ ኸዓ ጌቤን ሳላይን፤ ኵሎም ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ።
9
ኢዩኤል ወዲ ዝክሪ ኸዓ ሓለቓኣቶም ነበረ፤ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዩ ነበረ።
10
ካብ ካህናት፦ ዮዳኤ ወዲ ዮያሪብ፥ ያኪን፥
11
ሰራያ ወዲ ኪልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ ሓለቓ ቤት እግዚኣብሄር።
12
ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑ ኣሕዋቶም ድማ ሸሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን ነበሩ። ዓዳያ፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ፊላልያ፥ ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ፋስኮር፥ ወዲ መልኪያ፥
13
ኣሕዋቱ ኸዓ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ነበሩ። ዓማሰያ ወዲ ኤዝርኤል፥ ወዲ ኣሕዛይ፥ ወዲ ምሽሌሞት፥ ወዲ ኢሜር፥
14
ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ። ሓለቓኣቶም ድማ ዘብዲኤል ወዲ ሓግዶሊም ነበረ።
15
ካብ ሌዋውያን፦ ሻማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብ፥ ወዲ ቡኒ፤
16
ካብ ኣሕሉቕ ሌዋውያን ከዓ ሳባታይን ዮዛባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወፃኢ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ሰብ ስልጣን ነበሩ።
17
መታንያ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዘብዲ፥ ወዲ ኣሳፍ፥ ንሱ ጀማሪ ፀሎትን፥ ጀማሪ መዝሙር ምስጋናን ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ካልኣይ ዝነበረ በቅበቃር፥ ኣብድያ ወዲ ሳሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም ነበሩ።
18
ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ድማ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ።
19
ካብ ሓለውቲ ኣፍ ደገ፦ ዓቁብን ጤልሞንን ኣሕዋቶምን ድማ ንደጌታት ዝሕልዉ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ሚእትን ሰብዓን ክልተን ነበሩ።
20
እቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን ከዓ ምስ ካህናቶምን ሌዋውያንን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ።
21
እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ ግና ኣብቲ ዖፌል ዝበሃል ወገን ኢየሩሳሌም ተቐመጡ፤ ሲሓናን ጊሽጳን ድማ ኣሕሉቖም ነበሩ።
22
ኣዚ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሓሸብያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካ፥ ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ፤ ንሱ ኻብቶም ዘመርቲ ደቂ ኣሳፍ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ዘገልግሉ ሓለቓ ነበረ።
23
እቶም መዘምራን ብትእዛዝ ንጉስ ተራ ኣገልግሎቶም ስሩዕ ነበረ። እቲ በብመዓልቱ ዝዝምርዎ መዝሙር ከዓ ምዱብ ነበረ።
24
ፈታያ ወዲ ሜሴዜቤል፥ ካብ ደቂ ዝራ ወዲ ይሁዳ ድማ፥ ምእንቲ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ንጉስ ነበረ።
25
ሓድሓደ ኻብ ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጥቓ ማሕረሶም ዘሎ ኸተማታት ኣብ ቂርያትኣርባቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ዲቦንን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ይቀብፅኤልን ኣብ ቝሸታታን ተቐመጡ።
26
ከምኡውን ኣብ ኢያሱን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጳሌጥን፥
27
ኣብ ሓፀርሹዓልን ኣብ ቤርሳቤህን ኣብ ከባቢኣን፥
28
ኣብ ፂቅላግን ኣብ ምኮናን ኣብ ከባቢኣን፥
29
ኣብ ዓይንሪሞንን ኣብ ፆርዓን ኣብ የርሙትን፥
30
ኣብ ዛኖዋን ኣብ ዓዶላምን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ለኪሶንን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ከባቢኣን ተቐመጡ። ስለዙይ ደቂ ይሁዳ ኣብተን ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ለሰ ሄኖም ዘለዋ ዓድታት ሰፈሩ።
31
ደቂ ብንያም ከዓ ኣብ ጌባ፥ ኣብ ማክማስን ኣብ ጋያን ኣብ ቤቴልን ኣብ ከባቢኣን፥
32
ኣብ ዓናቶት፥ ኣብ ኖብ፥ ኣብ ሓናንያ፥
33
ኣብ ሓሶር፥ ኣብ ራማ፥ ኣብ ጊቴም፥
34
ኣብ ሓዲድ፥ ኣብ ስቦይም፥ ኣብ ንበላት፥
35
ኣብ ሎድ፥ ኣብ ኦኖ፥ ኣብ ለሰ ፀረብቲ ተቐመጡ።
36
ካብቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ዝነበሩ ሌዋውያን ድማ ብዙሓት ክፍልታት ናብ ብንያም ኮኑ።
← Chapter 10
Chapter 12 →