bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Nehemiah 13
Nehemiah 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ መዓልቲ እቲኣ ንመፅሓፍ ሙሴ፥ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበቡ። ኣብኡ ኸዓ ኣሞናውያንን፥ ሞኣባውያንን፥ ንዘለኣለም ናብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣይእተዉ ዝብል ተፅሒፉ ነበረ።
2
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ እንጀራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፤ እኳ ደኣ ንእስራኤል ክረግመሎም ንበለዓም ዓደግዎ። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ለወጦ።
3
ደቂ እስራኤል ድማ ነቲ ሕጊ ዝብሎ ምስ ሰምዑ፥ ነቶም ባዕዳን ዝኾኑ ፈለይዎም።
4
ቅድሚ እዙይ፥ ኤልያሴብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ተሸይሙ ዝነበረ፥ ምስ ጦብያ ፅቡቕ ርክብ ነበሮ።
5
መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ኣቑሑን ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዓስራት፥ እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደገታት ዝተኣዘዘሎምን፥ እቲ ንኻህናት ዝውፈ መስዋእትታትን፥ ዘንብሩሉ ዝነበሩ ዓብዪ ኽፍሊ ኤልያሴብ ንጦብያ ሂብዎ ነበረ።
6
ኣነ ግና እዝ ዅሉ ክኸውን እንተሎ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይነበርኩን። ኣርጤክስስ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ናብ ባቢሎን ተመሊሰ ነበርኩ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ ኻብ ንጉስ ፍቓድ ለሚነ፥
7
ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ እሞ ኤልያሽብ ኣብ ውሽጢ መካበቢያ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምሃብ ዝገበሮ ኽፉእ ኣስተውዓልኩ።
8
እዙይ ከዓ የመና ኣጕሃየኒ። ንዅሉ ኣቑሑ ጦብያ ድማ ኻብቲ ኽፍሊ ቤት ንደገ ደርበኽዎ።
9
ነቲ ኽፍልታት ድማ ኸንፅህዎ ኣዘዝኩ፤ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ድማ መሊሰ ናብኡ ኣእተኽዎ።
10
ንሌዋውያን ግደኦም ከም ዘይተውሃበ፥ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝተመለሰ ፈለጥኩ።
11
ኣነውን ስለ ምንታይ እዩ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሓደገ ኢለ፥ ምስቶም ኣሕሉቕ ተኸራኸርኩ። ኣከብኩዎምውን፤ በብመደብ ስራሖም ድማ ኣቖምኩዎም።
12
ሽዑ ድማ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዓስራት ናብቲ መዝገብ ኣምፅኡ።
13
ብዛዕባኡ ንሰለምያን ንሳዶቅ ፀሓፍን፥ ካብ ሌዋውያን ድማ ንፈዳያ ተሓዝቲ መዝገብ ገይረ ሾምኩ። ንሓናን ወዲ ዘኩር ወዲ መታንያ ድማ ኽሕግዞም ሃብክዎም። እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ድማ፥ ነሕዋቶም ገግደኦም ከካፍልዎም ተመረፁ።
14
ስለዙይ ኦ ኣምላኸይ! ዘክረኒ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ እሙን ኮይነ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ከዓ ኸንቱ ኣይኹን።
15
በተን መዓልቲታት እቲኣተን ኣብ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ኽረግፁን፥ ኣእዱግ ፅዒኖም እንዳእቲ ኸእትዉን፥ ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱ ፅዕነትን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኡ ረአኹ። ኣነ ኸዓ በታ እቶቶም ዝሸጡላ ኣንፃሮም መስከርኩ።
16
ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ይነብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ዓሳን ኵሉ ዝሽየጥ ነገርን ኣምፂኦም፥ ንደቂ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ኢየሩሳሌም ይሸጡሎም ነበሩ።
17
ሽዑ ምስ ዓበይቲ ይሁዳ ተኸራኸርኩሞ፦ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ክፉእ ነገር እንታይ እዩ? መዓልቲ ሰንበት ንምንታይ ተርክሱ ኣለኹም?
18
ኣቦታትኩም እውን ከምኡ ስለ ዝገበሩ እዩ፥ ኣምላኽና እዝ ዅሉ ኽፉእ እዙይ ናብ ልዕሌናን፥ ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ዘምፅአልና። ንስኻትኩም ድማ ሰንበት ብምርካስኩም፥ ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተምፅኡ ኣለኹም” በልኩዎም።
19
ስለዙይ ድሮ ሰንበት ነተን ደገታት ኢየሩሳሌም ዋግዋጎ ምስ ኮነ፥ ክዓፅዉወን ኣዘዝኩ፤ ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከዓ ኸይኸፍትወን ኣዘዝኩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ዝኾነ ሸኽሚ ኸይኣቱ፥ ካብ ሓሻኽረይ ኣብ ብዙሕ በርታት ኣቖምኩ።
20
ሽዑ እቶም ነጋዶን ኵሉ ዓይነት ዝሸጡ ሰባትን ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ሓደ ለይቲ ወይ ክልተ ለይቲ ሓደሩ።
21
ኣነ ድማ ኣመስከርኩሎም እሞ፦ “ኣብ ወፃኢ ቕፅሪ እትሓድሩስ ስለ ምንታይ ኢኹም? ከምዙይ እንተ ደጊምኩም ኣብ ልዕሌኹም ኢደይ ከልዕል እየ በልኩዎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ምምፃእ ሓደጉዎ።
22
ንሌዋውያን ከዓ ንመዓልቲ ሰንበት ምእንቲ ኽቕድስዋ፥ ክነፅሁን ነተን በርታት ኢየሩሳሌም ድማ ኽሕልዉወንን ኣዘዝክዎም።” ኦ ኣምላኸይ፥ በዝ ዝገበርክዎ ዘክረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ራህርሀለይ።
23
በተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ ኻብ ኣዛጦንን፥ ካብ ኣሞንን፥ ካብ ሞኣብን ኣንስቲ ዘእተዉ ኣይሁድ ረአኹ።
24
እቶም ደቆም ከዓ ፍርቆም ብቛንቋ ኣዛጦንን፥ ብናይ ካልእ ህዝቢ ቛንቋን ይዛረቡ ነበሩ እምበር፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ምዝራብ ኣይኽእሉን ነበሩ።
25
ተቘጢዐ ድማ ረገምክዎም፤ ካብኣቶም ድማ ንብዙሓት ሰባት ወቓዕኹ፤ ፀጕሮምውን ነፀኹ፤ “ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ካብ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩምን ንርእስኹምን ኣይትውሰዱ” ኢለ ድማ ብእግዚኣብሄር ኣምሓልክዎም።
26
ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን ዝበደለ? ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግና ንእኡውን ባዕዳን ኣንስቲ ኣስሓታኦ።
27
ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ዓብዪ ኽፍኣት ክንገብር፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታው ንኣምላኽና ኽንብድል፥ ንኣኻትኩምዶ ኽንሰምዕ ኢና?”
28
ሓደ ኻብ ደቂ ዮኣዳ፥ ወዲ ኤልያሴብ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሰንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገይሩ ነበረ እሞ ንዮያዳዕ ካባይ ሰጐጕክዎ።
29
ኦ ኣምላኸይ፥ ንኽህነትን ነቲ ምስ ካህናትን ሌዋውያንን ዝኣተኻዮ ኺዳንን ስለ ዘርከሱ ዘክሮም።
30
በዝ ኸምዙይ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ጋሻ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ኣፅረኽዎም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስራሖም መደብክዎም።
31
ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኽቐርብ ኣዘዝኩ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ!
← Chapter 12