bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 8
Matthew 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብቲ እምባ ኽወርድ እንተሎ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ።
2
እንሆ ኸዓ ሓደ ለምፃም ቀሪቡ፥ “ጐይታይ! እንተ ፈቒድካስ፥ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ።
3
ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ድማ በሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ለምፁ ነፅሀ።
4
ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖምውን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ!” በሎ።
5
ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ፥ “ጐይታይ! ወደይ መፃጕዕ ኾይኑ፥ ኣብ ገዛ ደቂሱ የመና ይሳቐ ኣሎ” እናበለ ለመኖ።
7
ኢየሱስ ድማ፥ “መፂአ ኸሕውዮ እየ” በሎ።
8
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ “ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን፤ ግና ብቓልካ ኣዝዝ፤ ወደይ ድማ ኽሓዊ እዩ።
9
ኣነ እኳ ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይ ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ፥ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።
10
ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ተደነቐ፤ ምልስ ኢሉ ድማ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንድዙይ ዝኣክል እምነት ዘለዎ፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን።
11
ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ክመፁ እዮም፤ ኣብ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብንውን ክቕመጡ እዮም።
12
ደቂ መንግስቲ ግና፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ፀልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ” በሎም።
13
ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኪድ፥ ከም እምነትካ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ወዱ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።
14
ኢየሱስ ናብ እንዳ ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፥ ንሓማት ጴጥሮስ ብረስኒ ተትሒዛ ደቂሳ ረኸባ።
15
ኢዳ ምስ ዳህሰሳ ግና ረስና ሓደጋ፤ ተሲኣ ድማ ኣገልገለቶም።
16
ምስ መሰየ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፥ ሕማምናውን ፆረ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም።
18
ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ኽሳገሩ ኣዘዘ።
19
ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር፥ ናብ ኵሉ እትኸዶ ክኽተለካ?” በሎ።
20
ኢየሱስ ድማ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መፅለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዐሉ እኳ የብሉን” በሎ።
21
ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ጐይታይ! ንቐደም ክኸይድ እሞ፥ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ!” በሎ።
22
ኢየሱስ ግና “ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ፥ ምውታንስ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” በሎ።
23
ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፥ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተልዎ።
24
እንሆ ኸዓ እታ ጃልባ ብማዕበል ክሳዕ እትድፈን፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንውዋፅ ኮነ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።
25
ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ኦ ጐይታ! ኸይንመውት ኣድሕነና!” እናበሉ ኣንቅሕዎ።
26
ንሱ ኸዓ፥ “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ?” በሎም። ሽዑ ተሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገሰፆም እሞ፥ ዓብዪ ህድኣት ኮነ።
27
እቶም ሰባት ከዓ፥ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ ከመይ ዝበለ እዩ!” ኢሎም ተገረሙ።
28
ኢየሱስ ናብ ማዕዶ ሃገር ጌርጌሴኖን ምስ በፅሐ፥ ሓደ እኳ በታ መንገዲ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ የመና ኽፉኣት ዝነበሩ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት፥ ካብ መቓብራት ወፂኦም ተራኸብዎ።
29
እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።
30
ካብኣቶም ርሕቕ ኢሉ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊሩ ነበረ።
31
እቶም ኣጋንንቲ ድማ “እተውፅአና እንተ ዄንካስ፥ ናብዝ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸዓ፥ “ኪዱ!” በሎም።
32
ወፂኦም ድማ ናብቶም ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸዓ እቶም መጓሰ ሓሰማታት፥ ናብቲ ባሕሪ ፀደፉ፤ ኣብቲ ባሕሪ እውን ጠሊቖም ሞቱ።
33
እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፤ ኵሉ እቲ ዝኾነን ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ሰባትን ከዓ ኣውረዩ።
34
እንሆ ድማ ዅሎም ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ንኢየሱስ ክራኸብዎ ወፁ፤ ምስ ረአይዎ ድማ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ለመንዎ።
← Chapter 7
Chapter 9 →