bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 7
Matthew 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ብትፈርድዎ ፍርዲ ኽፍረደኩም፤ ብትሰፍርዎ መስፈሪውን ክስፈረኩም እዩ እሞ፥ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
3
ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይረአኻስ፥ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ እትርኢ?
4
ኣብ ዓይንኻ ጕንዲ እንተሎስ፥ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ‘ካብ ዓይንኻ መንገፍ ከውፅአልካ’ ትብሎ?
5
ኣታ ግብዝ! ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውፅእ፤ ብድሕሪኡ ኻብ ዓይኒ ሓውካ፥ መንገፍ ንምውፃእ ኣፀቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።
6
“ተመሊሶም ከይነኽስኹም፥ ዝተቐደሰ ነገር ነኽላባት ኣይትሃቡ፤ በእጋሮም ከይረግፅዎ ድማ፥ ዕንቍኹም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።”
7
“ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆ ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ።
8
ኵሉ ዝለመነ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ድማ ይኽፈተሉ።
9
እንታዋይ ሰብ እዩ፥ ካባኻትኩም ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ?
10
ወይ ከዓ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ተመን ዝህቦ?
11
እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝለመንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ሰናይ ነገር ዘይህቦም?
12
እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”
13
“በታ ፀባብ በሪ እተዉ፤ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም።
14
እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ ኸዓ ውሑዳት እዮም።”
15
“ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።
16
ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ፥ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይእረ?
17
ከምኡ ድማ እቲ ፅቡቕ ኦም፥ ፅቡቕ ፍረ ይፈሪ፤ እቲ ሕማቕ ኦም ከዓ፥ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ።
18
ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኽፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ፅቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኽእልን እዩ።
19
ዅሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
20
እምበኣርከስ ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም።
21
ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።
22
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም።
23
ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን፤ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።”
24
“ኵሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዝፍፅም፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዝሰርሐ፥ ለባም ሰብ ይመስል።
25
ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳትውን ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተመስረተ ግና ኣይወደቐን።
26
ዅሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዘይፍፅም ግና፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ሑፃ ዝሰርሐ፥ ሰነፍ ሰብ ይመስል።
27
ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳት ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ወደቐውን፥ ኣወዳድቓኡ ድማ ዓብዪ ኾነ።”
28
ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ወድአ፥ እቶም ህዝቢ ብትምህርቱ ተደነቑ።
29
ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ነበረ እሞ።
← Chapter 6
Chapter 8 →