bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 9
Matthew 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደዪቡ ባሕሪ ምስ ተሳገረ፥ ናብ ዓዱ በፅሐ።
2
እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ኣይዞኻ ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
3
እንሆ ኸዓ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕጊ ብልቦም “እዙይስ ንእግዚኣብሄር ይፃረፍ ኣሎ” በሉ።
4
ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ?
5
ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእሞ ኺድ!’ ምባል?
6
እምበኣርከስ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ሽዑ ነቲ መፃጕዕ “ተስእ! ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።
7
ተሲኡ ድማ ናብ ገዛኡ ኸደ።
8
እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ሪኦም ተደነቑ፤ ንሰብ ከምዙይ ዝበለ ስልጣን ንዝሃበ እግዚኣብሄር ድማ ኣመስገንዎ።
9
ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፥ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ ተኸተሎ።
10
ብድሕሪዙይ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ ማእዲ ምስ ተቐመጠ፥ እንሆ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።
11
ፈሪሳውያን ከዓ ነዙይ ሪኦም ንደቀ መዛሙርቱ፦ “መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ስለ ምንታይ ይበልዕ?” በልዎም።
12
ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።
13
‘ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።
14
ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንፀውም፥ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለ ምንታይ እዮም ዘይፆሙ?” በልዎ።
15
ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ፥ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙን ክሓዝኑን ይኽእሉ ድዮም? ግና መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ እሞ፥ ሽዑ ኽፆሙ እዮም።
16
ሓድሽ ቝራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደ እኳ የለን፤ እቲ መልገባ ነቲ ጥዑይ ይቐዶ እዩ እሞ፥ እቲ ምቕዳዱ ዝገደደ ይኸውን።
17
ንሓድሽ ወይኒ፥ ኣብ ዝበለየ ሓርቢ ኣይመልእዎን እዮም፤ እንተ ተገብረውን፥ እቲ ሓርቢ ይቕደድ፤ እቲ ወይኒ እውን ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ኸዓ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ፤ ክልቲኦም ድማ ይተሓላለዉ” በሎም።
18
እዝ ነገራት እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ፥ “ጓለይ ሕዚ ሕዚ ሞይታ! ነዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ኽትሓዊ እያ” እናበለ ሰገደሉ።
19
ጐይታ ኢየሱስ ድማ ተሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተሎ።
20
እንሆ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ፥ “ዘፈር ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ” ኢላ ብልባ ትሓስብ ስለ ዝነበረት፥ ብድሕሪኡ መፂኣ ዘፈር ክዳኑ ነኽአት።
22
ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ረአያ እሞ፥ “ኣይዞኺ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
23
ኢየሱስ ኣብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ በፅሐ፥ ነፋሕቲ መለኸት ሓዘንን ዋይ ዋይ ዝብሉ ህዝብን ምስ ረአየ፤
24
“እዛ ጓል ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፥ ኣይሞተትን እሞ ድሕር በሉ!” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ።
25
እቶም ህዝቢ ምስ ወፁ፥ ኣትዩ ኢዳ ሓዛ፤ እታ ጓል ከዓ ተስአት።
26
ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ዝናኡ ተሰምዐ።
27
ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፥ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት፥ መሓረና!” እናበሉ ተኸተልዎ።
28
ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ፥ እቶም ዕዉራት ናብኡ መፁ፤ ኢየሱስ ድማ፥ “እዙይ ክገብር ከም ዝኽእልዶ ተኣምኑ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ጐይታ” በልዎ።
29
ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ዳህሰሶም።
30
ሽዑ ኣዒንቶም በርሃ። ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግሩ” ኢሉ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።
31
ንሳቶም ግና ወፂኦም፥ ኣብ ኵላ እታ ዓዲ ብዛዕባኡ ኣውረዩ።
32
ንሳቶም ምስ ወፁ ድማ፥ ጋኔን ዝሓደሮ በሃም ኣምፅኡሉ።
33
ኢየሱስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውፅኦ እቲ በሃም ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተርኣየን” ኢሎም ተገረሙ።
34
ፈሪሳውያን ግና፥ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በሉ።
35
ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናመሃረ፥ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፥ ኣብቲ ህዝቢ ንዝነበረ ደዌን ሕማምን እናፈወሰ፥ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘዋወር ነበረ።
36
ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም።
37
ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም።
38
ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ” በሎም።
← Chapter 8
Chapter 10 →