bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 6
Matthew 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ብሰብ ምእንቲ ኽትረአዩ ኢልኩም፥ ምፅዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም፥ ዓስቢ የብልኩምን።
2
እምበኣርከስ ንስኻ ኽትምፅውት እንተለኻ፥ እቶም ግብዛት፥ ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎትን ኣውራ መንገድታትን ከም ዝገብርዎ፥ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ንሳቶም ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
3
ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።
5
“እቶም ግብዛት ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎትን፥ ኣብ ቀራናታት መንገድን፥ ደው ኢሎም ክፅልዩ ይደልዩ እዮም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
6
ንስኻ ግና ኽትፅሊ እንተለኻ፥ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻ ዓፂኻ ድማ፥ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ፀሊ። እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
7
“ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኣቶም ዝስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ።
8
ንስኻትኩም ግና ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እንተይለመንኩምዎ፥ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም።
9
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤
10
ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤
11
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
12
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
13
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
14
“ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፥ ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ክሓድገልኩም እዩ።
15
ንሰባት በደሎም ይቕረ እንተ ዘይልኩምሎም ግና፥ ንኣኻትኩምውን ኣቦኻትኩም በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን።
16
“እቶም ግብዛት ፀወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ገፆም የፀምልዉ እዮም እሞ፥ ክትፆሙ እንተለኹም፥ ከምኣቶም ገፅኩም ኣይተፀምልዉ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
17
ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
19
“ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ።
20
ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር።
21
ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።
22
“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።
23
ዓይንኻ ሕሙም እንተ ኾይኑ ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን፤ እምበኣር እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ካብ ኮነ፥ ምፅልማቱ ኽንደይ ኮን ይብርትዕ!
24
“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
25
ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?
26
ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?
27
ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ?
28
ብዛዕባ ኽዳንከ ስለ ምንታይ ትጭነቑ? ዕምበባታት በረኻ ኣይፈትሉን፥ ኣይደኽሙን፥ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ።
29
ኣነ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኸም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ።
30
እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!
31
እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? እንታይከ ኽንክደን ኢና?’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።
32
ነዙይ ኵሉስ ኣህዛብውን ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።
33
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
34
እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”
← Chapter 5
Chapter 7 →