bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 5
Matthew 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብ እምባ ደዪቡ ተቐመጠ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐረቡ።
2
ከምዙይ እናበለ ድማ ኽምህሮም ጀመረ፦
3
“ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
4
ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።
5
የዋሃን ብፁኣን እዮም፤ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ።
6
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
7
ዝምሕሩ ብፁኣን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ።
8
ንፁሃት ልቢ ብፁኣን እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ክሪእዎ እዮም እሞ።
9
ገበርቲ ሰላም ብፁኣን እዮም፤ ውሉድ እግዚኣብሄር ክበሃሉ እዮም እሞ።
10
ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
11
“ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም።
12
ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም።”
13
“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ፥ ብእግሪ ሰብ ክርገፅ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን።
14
“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ።
15
መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን።
16
ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
17
“ኣነ ንኦሪትን ንነቢያትን ክፍፅሞም ደኣ እምበር፥ ክስዕሮም ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም።
18
ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኵሉ ሕጊ እውን ክሳዕ ዝፍፀም፥ ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንፃፅ ከም ዘይትሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
19
እምበኣርከስ ካብዘን ኣናእሽቲ ትእዛዛት ንሓንቲ ዝጠሓሰ፥ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽተይ ክኸውን እዩ። እናፈፀመ ዝምህር ግና፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ክኸውን እዩ።
20
ፅድቅኹም ካብ ፅድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን የመና እንተ ዘይበሊፁ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፥ ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።
21
“ነቶም ቀዳሞት፥ ‘ዝቐተለ ኽፍረዶ እዩ እሞ፥ ኣይትቕተል፥’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
22
ኣነ ግና፥ ንሓዉ ብዘይኮነ ዝቝጣዕ ዅሉ ኽፍረዶ እዩ፤ ንሓዉ ጨርቃም ዝብሎ ድማ፥ ኣብ መጋባእያ ኽፍረዶ እዩ፤ ‘ኣታ ዓሻ’ ዝብሎውን፥ ብገሃነመ እሳት ክፍረዶ እዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።
23
እምበኣርከስ መባእኻ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምፂእኻ፥ ሓውካ ኸዓ ተቐይሙካ ምህላዉ ሽዑ እንተ ዘኪርካ፥
24
ነቲ መባእኻ ኣብኡ ኣብቲ ቕድሚ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድሞ፥ ኣቐዲምካ ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፤ ደሓር ተመሊስካ መባእኻ ኣቕርብ።
25
ምስ መባእስትኻ ድማ፥ ገና ኣብ መንገዲ እንተለኻ ቐልጢፍካ ተዓረቕ፤ እንተ ዘይኮነ እቲ መባእስትኻ፥ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ፈራዲ ድማ ናብ ሓሽከሩ ኸየሕልፈካ፥ እቲ ሓሽከሩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸየእትወካ።
26
እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትኸፍል፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።
27
“ነቶም ቀዳሞት ‘ኣይትዘሙ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
28
ኣነ ግና ዅሉ ንሰበይቲ ሪኡ ዝተመነያ፥ ብልቡ ፈፂሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።
29
የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።
30
የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካውን፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።
31
“ ‘ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ ይሃባ’ ተብሂሉ ኣሎ።
32
ኣነ ግና ብምኽንያት ዝሙት እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ ዘማዊት ይገብራ፤ እቲ ነታ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ፥ ይዝሙ እብለኩም ኣለኹ።
33
“ከምኡ ድማ ነቶም ቀዳሞት፥ ‘ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሃብ እምበር፥ ብሓሰት ኣይትምሓል፥’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
34
ኣነ ግና ብሰማይ፥ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥
35
ወይ ብምድሪ መርገፂ እግሩ ስለ ዝኾነት፥ ወይ ብኢየሩሳሌም ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ ስለ ዝኾነት፥ ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ።
36
ካብ ፀጕሪ ርእስኻ፥ ሓንቲ ኽተፃዕዱ ወይ ክተፀልም ኣይትኽእልን ኢኻሞ፥ ብርእስኻውን ኣይትምሓል።
37
ነገርኩም ‘እወ፥ እወ’ ወይ ከዓ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝሓለፈ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ እዩ።
38
“ ‘ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፥ ስኒ ኽንዲ ስኒ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
39
ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ።
40
እጀ ጠባብካ ኽወስድ ንዝቃለሰካ፥ ነፀላኻውን ሕደገሉ።
41
ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ ንዘገድደካ፥ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።
42
ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።
43
“ ‘ብፃይካ ኣፍቅር፤ ፀላኢኻ ፅላእ’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
44
ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
46
ነቶም ዝፈትውኹም እንተ ፈተኹም፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ተቐበልቲ ቐረፅስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኮኑን?
47
ነሕዋትኩም ጥራሕ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ፥ እንታይ ሕልፊ ገበርኩም? ኣህዛብስ ከምኡ ይገብሩ እንድዮም?
48
“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”
← Chapter 4
Chapter 6 →