bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 4
Matthew 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብድሕሪዙይ ድማ መንፈስ [ቅዱስ] ንኢየሱስ፥ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ።
2
ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ።
3
እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።
4
ኢየሱስ ግና “ ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
5
ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፥ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ።
6
“ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ‘እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፥ በእዳዎም ክፆሩኻ፥ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር” በሎ።
7
ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” በሎ።
8
መሊሱ ዲያብሎስ የመና ነዊሕ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ፥ መንግስታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥
9
“ተደፊእኻ እንተ ሰጊድካለይ እዝ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ።
10
ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ።
11
ድሕሪዙይ ዲያብሎስ ሓደጎ፤ እንሆ ድማ መላእኽቲ መፂኦም ኣገልገልዎ።
12
ኢየሱስ፥ ዮሃንስ ከም ዝተኣሰረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ኣውራጃ ገሊላ ኣግለሰ።
13
ንናዝሬት ሓዲጉ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ዛብሎንን ንፍታሌምን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም ከይዱ ተቐመጠ።
14
እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፦
15
“ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፥ መንገዲ ባሕሪ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣህዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ፥
16
ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
17
ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።
18
ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናተመላለሰ እንተሎ፥ ክልተ ኣሕዋት፥ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን፥ ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እንትድርብዩ ረአየ።
19
ኢየሱስ ከዓ “ንዑ ተኸተሉኒ፤ ኣነ ኸዓ ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ” በሎም።
20
ሽዑ ንሽዑ ድማ መርበቦም ሓዲጎም ተኸተልዎ።
21
ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሉ፥ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኣቶም፥ ኣብ ጃልባ መርበቦም ከተዓራርዩ ሪኡ ፀውዖም።
22
ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም፥ ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።
23
ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎት እናመሃረ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸ፥ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ።
24
ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
25
ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ኸተማታትን ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከዓ ብዙሓት ህዝቢ ተኸተልዎ።
← Chapter 3
Chapter 5 →