bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 27
Matthew 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምስ ወግሐ፥ ኵሎም ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ።
2
ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ፥ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣሕሊፎም ሃብዎ።
3
ሽዑ እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ከም ዝተፈርዶ ምስ ረአየ፥ ተናሲሑ “ንፁህ ሰብ ንሞት ኣሕሊፈ ብምሃበይ በዲለ” እናበለ፥ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና “ንሕና እንታይ ገዲሱና፥ ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ።
5
ንሱ ኸዓ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርቢይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ።
6
እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ነቲ ገንዘብ ወሲዶም “ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ሙዳየ ምፅዋት ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ” በሉ።
7
ተማኺሮም ከዓ ብእኡ፥ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን፥ ግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ዓደጉሉ።
8
ስለዙይ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ “ግራት ደም” ትብሃል ኣላ።
9
እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ “ነቲ ደቂ እስራኤል ዋጋ ዝገምገሙሉ፥ ዋጋ ናይቲ ኽቡር፥ ሰላሳ ብሩር ወሰዱ።
10
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ እውን፥ ንግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ሃብዎ” ኢሉ ዝተነግረ ቓል ተፈፀመ።
11
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ቖመ። እቲ ገዛኢ ድማ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” በሎ።
12
ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ክኸስዎ እንተለዉ፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
13
ሽዑ ጲላጦስ “ብኽንደይ ነገራት ኣብ ልዕሌኻ ይምስክሩ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ?” በሎ።
14
ንሱ ግና እቲ ገዛኢ የመና ኽሳዕ ዝግረም ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።
15
እቲ ገዛኢ ብበዓል፥ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ሓደ እሱር ክፈትሐሎም ልማድ ነበሮ።
16
ሽዑ በርባን ዝተብሃለ ብዓመፅ ዝተፈለጠ እሱር ነበረ።
17
ጲላጦስ ከዓ ንኢየሱስ ብቕንኣት ከም ዘትሓዝዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፥ “ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ? ንበርባንዶ ወይ ነዝ ክርስቶስ ዝበሃል ኢየሱስ?” በሎም።
19
ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ፥ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ፥ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ!” ኢላ ለኣኸትሉ።
20
ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና፥ ነቶም ህዝቢ “በርባን ይፈታሕ ኢየሱስ ግና ይቀተል” ኢሎም ንኽልምኑ ሕራይ ኣበልዎም።
21
ሽዑ እቲ ገዛኢ “ካብ ክልቲኦም ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ንበርባን” በልዎ።
22
ጲላጦስ ከዓ “ነዝ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ?” በሎም። ኵሎም ድማ “ይሰቐል!” በሉ።
23
ጲላጦስ “ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና “ይሰቐል!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።
24
ስለዙይ ጲላጦስ እዝ ነገር እዙይ ሁከት ንምልዕዓል እንተ ዘይኮይኑ፥ ከም ዘይጠቅም ምስ ረአየ፥ ማይ ወሲዱ፥ “ኣነ ኻብ ደም እዝ ፃድቕ ሰብ እዙይ ንፁህ እየ፤ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓፀበ።
25
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን፥ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን!” ኢሎም መለሱሉ።
26
ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም።
27
ድሕሪዙይ እቶም ወታደራት ጲላጦስ፥ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ ወሲዶም፥ ነቲ ሰራዊት ብምሉኡ ናብኡ ኣከብዎ።
28
ክዳኑ ቐንጢጦም ከዓ ቐይሕ ካባ ኸደንዎ።
29
ናይ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ “ሰላም፥ ኦ ንጉስ ኣይሁድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
30
እንትፍ ድማ በሉሉ፤ ነቲ ዘንጊ ኣሕዲጎም ከዓ ርእሱ ወቕዕዎ።
31
ምስ ኣላገፁሉ ድማ፥ ነቲ ቐይሕ ካባ ቐንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።
32
ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ስምኦን ዝስሙ ሓደ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ፥ ንመስቀል ኢየሱስ ክፀውር ኣገደድዎ።
33
ጎልጎታ፥ ትርጕሙ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ስፍራ ምስ በፅሑ፥
34
ሓሞት ዝተሓወሶ መፂፅ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ።
35
ምስ ሰቐልዎ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈሉ።
36
ኣብኡ ተቐሚጦም ከዓ ይሕልውዎ ነበሩ።
37
ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ፥ “እዙይ ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል ናይ ኽሲ ፅሑፍ ኣንበሩሉ።
38
ሽዑ ምስኡ ኽልተ ሸፋቱ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ፥ ተሰቐሉ።
39
እቶም ብጥቃኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥
40
“ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን! ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኴንካስ እስኪ ኻብ መስቀል ውረድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
41
ከምኡውን እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፦
42
“ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይኸኣለን፤ ንሱ ንጉስ እስራኤል እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ፤ ንሕና ኸዓ ብእኡ ኽንኣምን።
43
ንሱ ብእግዚኣብሄር ተኣሚኑ እዩ፤ ‘ኣነ ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ እውን ኢሉ እዩ እሞ፥ ዝፈትዎ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ የድሕኖ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
44
ከምኡውን እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉ ኸተርቲ የላግፁሉ ነበሩ።
45
እንሆ ኻብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት፥ ኵሉ ምድሪ ፀልመተ።
46
ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ እዙይ ከዓ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።
47
ገሊኣቶም ካብቶም ኣብኡ ቖይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ “እዙይስ ንኤልያስ እዩ ዝፅውዕ ዘሎ” በሉ።
48
ሽዑ ሓደ ኻብኣቶም ጐይዩ፤ ሰፍነግ ወሲዱ፥ መፂፅ መሊኡ፥ ብዘንጊ ገይሩ ኽሰትዮ ኣቕረበሉ።
49
ገሊኣቶም ግና “ሕደግዎ፥ ኤልያስ መፂኡ ዘድሕኖ እንተ ኾይኑ ኽንርኢ ኢና” በሉ።
50
ኢየሱስ ደጊሙ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት።
51
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወፀት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ።
52
መቓብራትውን ተኸፈቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ፥ ካብ ሞት ተስኡ።
53
ከካብ መቓብሮም ወፂኦም፥ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፤ ንብዙሓትውን ተርኣይዎም።
54
እቲ ሓለቓ ሚእትን፥ እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ፥ ነቲ ምንዋፅ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ሪኦም፥ “እዙይስ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበሉ የመና ፈርሑ።
55
ኣብኡ ኸዓ ንኢየሱስ እናገልገላኦ፥ ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ብዙሓት ኣንስቲ፥ ብርሑቕ ይሪኣ ነበራ።
56
ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት፥ ማርያም እኖ ያእቆብን ዮሳን፥ እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።
57
ምስ መሰየ ግና፥ ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መፀ። ንሱ ኸዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ።
58
ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ።
59
ዮሴፍ ድማ ነቲ ናይ ኢየሱስ ስጋ ወሲዱ፥ ብፅሩይ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤
60
ኣብቲ ኣብ ኰዅሒ ዘውቀሮ፥ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ቀበሮ፤ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ፥ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓፅይዎ ኸደ።
61
ኣብኡ ኸዓ ማርያም መግደላዊትን፥ እታ ኻልአይታ ማርያምን፥ ኣብ መንፅር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።
62
ብፅባሒቱ ድሕሪ እታ መዓልቲ ምድላው፥ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተኣከቡ እሞ፥ ናብ ጲላጦስ ከይዶም፥
63
“ጐይታ! እቲ መስሓቲ፥ ብህይወቱ እንተሎ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና።
64
ስለዙይ ደቀ መዛሙርቱ መፂኦም ከይሰርቅዎ፥ ንህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ሞት ተሲኡ ኸይብሉ እሞ፥ ካብ እታ ቐዳመይቲ፥ እታ ዳሕረወይቲ ጌጋ ዝገደደት ከይትኸውንስ፥ ክሳዕ ሳልሳይ መዓልቲ፥ እቲ መቓብር ብፅኑዕ ክሕሎ ኣዝዝ” በልዎ።
65
ጲላጦስ ከዓ፥ “ሓለውቲ ሒዝኩም ኪዱ እሞ፥ ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ኣፅኒዕኹም ሓልዉ” በሎም።
66
ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማሕተም ሓቲሞም፥ ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣፅኒዖም ኣሐለውዎ።
← Chapter 26
Chapter 28 →