bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 28
Matthew 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ሰንበት ለይቲ፥ ናብታ ናይ ሰሙን ቀዳመይቲ መዓልቲ ዘውግሕ፥ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን ነቲ መቓብሩ ኽሪኣ መፃ።
2
እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ ነበረ እሞ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።
3
ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንፀባርቕ፥ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ።
4
እቶም ሓለውቲ መቓብር ድማ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ከም ዝሞቱውን ኮኑ።
5
እቲ መልኣኽ ድማ ነተን ኣንስቲ “ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሓ።
6
ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ንዕነ ነታ ጐይታ ተቐቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ረአያ።
7
ቀልጢፍክን ኴድክን፥ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ ሞት ተሲኡ እዩ፤ እንሆ ንሱ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ኣብኡ ድማ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም፤ እንሆ ነጊረክን ኣለኹ” በለን።
8
ንሳተን ከዓ ኻብቲ መቓብር፥ ብፍርሓትን ብዝለዓለ ታሕጓስን ቀልጢፈን ወፃ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸብስራኦም ድማ ጐየያ።
9
ክነግራኦም እናኸዳ እንተለዋ፥ እንሆ ኢየሱስ ተራኸበን እሞ “ሰላም ንኣኻትክን ይኹን!” በለን። ንሳተን ከዓ ቕርብ ኢለን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።
10
ሽዑ ኢየሱስ “ኣይትፍርሓ፤ ናብ ኣሕዋተይ ከይድክን፥ ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም፤ ኣብኡ ድማ ኽሪኡኒ እዮም” በለን።
11
ንሳተን ምስ ከዳ፥ እንሆ ኻብቶም ወታደራት ገሊኣቶም ናብታ ኸተማ ኣትዮም፥ እቲ ዝኾነ ዅሉ ንሊቃነ ካህናት ነገርዎም።
12
ንሳቶም ድማ ምስቶም ዓበይቲ ተኣኪቦም መኸሩ፤ ብዙሕ ገንዘብ ከዓ ነቶም ወታደራት ሃብዎም።
13
“ ‘ንሕና ደቂስና እንተለና፥ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መፂኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ።
14
እዝ ነገር እዙይ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰሚዑ፥ ንሕና ኽነረድኦ ኢና፤ ንኣኻትኩም ድማ ብዘይ ስግኣት ከም እትነብሩ ክንገብር ኢና” በልዎም።
15
ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም፥ ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ።
16
እቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ናብ ገሊላ ናብቲ ኢየሱስ ክኸዱ ዝነገሮም እምባ ኸዱ።
17
ምስ ረአይዎ ኸዓ ሰገዱሉ፤ ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ።
18
ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤
19
እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
← Chapter 27