bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 26
Matthew 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ እዝ ዅሉ ነገር ተናጊሩ ምስ ወድአ፥ ንደቀ መዛሙርቱ
2
“ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ኸም ዝኸውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ንወዲ ሰብ ድማ፥ ክስቀል ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም” በሎም።
3
ሽዑ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይቲ ህዝብን፥ ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዝበሃል ሊቀ ካህናት ተኣከቡ።
4
ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ድማ ተማኸሩ።
5
እንተ ኾነ “ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሁከት ምእንቲ ኸይለዓል ብበዓል ኣይኹን” በሉ።
6
ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምፃም እንተሎ፥
7
ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ ናብኡ መፀት፤ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፥ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።
8
ደቀ መዛሙርቱ ግና ነዙይ ሪኦም ተቘጥዑ እሞ “እዛ ሰበይቲ ኽንድዙይ ዝኣክል ሽቱ ንምንታይ ኣጥፍአት? ብብዙሕ ዋጋ ተሸይጡዶ፥ ንድኻታት ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ?” በሉ።
10
ኢየሱስ ግና ነዙይ ፈሊጡ “እዛ ሰበይቲ ፅቡቕ እያ ዝገበረትለይ፤ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም?
11
ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ኣነ ግና ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም የለኹን።
12
እዝ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ኽቡር ሽቱ ግና፥ ንቐብረይ እያ ዝገበረቶ።
13
እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝስበኸሉ ዅሉ ዓለም፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
14
ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥
15
“ኣነ ንኢየሱስ ኣሕሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ቕርሺ ሃብዎ።
16
ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ድማ፥ ኣሕሊፉ ኽህቦ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
17
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ፋሲካ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕስ፥ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።
18
ንሱ ድማ “ናብ ከተማ ኼድኩም ንእገለ ‘መምህር፥ ጊዜይ ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ገዛኻ ፋሲካ ኸብዕል እየ ይብል ኣሎ’ በልዎ” በሎም።
19
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ድራር ፋሲካውን ኣዳለዉ።
20
ምስ መሰየ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
21
እናበልዑ እንተለዉ ኸዓ “ካባኻትኩም ሓደ ኣሕሊፉ ኸም ዝህበኒ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
22
ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ሓዘኑ፤ ነፍሲ ወከፍውን “ኦ ጐይታ! ኣነ ደኾን እኸውን?” ክብልዎ ጀመሩ።
23
ኢየሱስ መሊሱ “እቲ ኢዱ ኣብ ፃሕሊ ምሳይ ዝፀብሕ፥ ንሱ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ።
24
ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ።
25
እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ “መምህር፥ ኣነ ደኾን እየ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ኢየሱስ ከዓ “ባዕልኻ እኳ ትብል ኣለኻ” በሎ።
26
እናበልዑ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዓለ፤ ኣመስጊኑ ድማ ቘሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዙይ ስጋይ እዩ፤ እንኩ ብልዑ” ኢሉ ሃቦም።
27
ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፥ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ካብዙይ ኵልኻትኩም ስተዩ” ኢሉ ሃቦም።
29
“ድሕሪ ሕዚ፥ ክሳዕ እታ ዕለት እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም፥ ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ከቶ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” ድማ በሎም።
30
ናይ ምስጋና መዝሙር ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።
31
ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ፥ ፋሕ ክብላ እየን’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም።
32
ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም።
33
ጴጥሮስ ከዓ “ኵላቶም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ፈፂመ ኣይክሕደካን” ኢሉ መለሰሉ።
34
ኢየሱስ ከዓ “በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
35
ጴጥሮስ ግና “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትውን ኵላቶም ከምኡ በሉ።
36
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ምስኣቶም ጌቴሴማኒ ናብ እትብሃል ቦታ ኸደ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ “ናብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም።
37
ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ምስኡ ተማሊኡ ኸደሞ፥ ክትክዝን ክሓዝንን ጀመረ።
38
ሽዑ “ነፍሰይ ብሓዘን ክሳዕ ሞት በፂሓ ኣላሞ፥ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ምሳይውን ንቕሑ” በሎም።
39
ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ።
40
ናብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ደቂሶም ረኸቦም እሞ፥ ንጴጥሮስ “ሓንቲ ሰዓት እኳ ምሳይ ምትጋህዶ ኣይትኽእሉን?
41
እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፥ ትግሁን ፀልዩን፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም።
42
ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ።
43
እንደገና ተመሊሱ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ስለ ዝነበራ ደቂሶም ረኸቦም።
44
ሓዲግዎም ከደ እሞ፥ ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቓል ንሳልሳይ ጊዜ ፀለየ።
45
ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ “ሕዚ እውን ገና ደቂስኩምን ዓሪፍኩምንዶ ኣለኹም? እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ዝህቡሉ ሰዓት በፂሑ እዩ።
46
ተስኡ ንኺድ! እቲ ኣሕሊፉ ዝህበንውን እንሆ፥ ቀሪቡ ኣሎ” በሎም።
47
ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ መፀ፤ ምስኡ ድማ ብሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት መፁ።
48
እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ እሞ ሓዝዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ።
49
ሽዑ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ “ሰላም መምህር” ኢሉ ሰዓሞ።
50
ኢየሱስ ከዓ “ዓርከይ፥ ንምንታይ ነገር መፃእኻ?” በሎ፤ ሽዑ ቐሪቦም ንኢየሱስ ሓዝዎ።
51
እንሆ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ፥ ሰይፉ መዚዙ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ።
52
ሽዑ ኢየሱስ “ሰይፊ ዘልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ እሞ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ።
53
ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ሰራዊት ዝበዝሑ መላእኽቲ ብቕፅበት ክሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ?
54
እቶም ‘ከምዙይ ክኸውን ኣለዎ’ ዝብሉ መፃሕፍቲ ደኣ ኸመይ ኢሎም ክፍፀሙ እዮም?” በሎ።
55
በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ “ሰራቒ ኸም እትሕዙዶ ብኣስይፍትን ብኣብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፤ ግና ሽዑ ኣይሓዝኩምንን።
56
እዝ ዅሉ ዝኾነ ግና፥ መፃሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኽፍፀሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ።
57
እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ኸዓ፥ ናብቲ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ፥ ናብ እንዳ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ወሰድዎ።
58
ጴጥሮስ ግና ኽሳዕ እቲ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ብርሑቕ ሰዓቦ፤ ናይቲ ነገር መወዳእታ ምእንቲ ኽርኢውን፥ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ሓሻኽር ተቐመጠ።
59
ሊቃነ ካህናትን እቲ ባይቶን ከዓ፥ ንኢየሱስ ምእንቲ ኽቐትልዎ ሓሰውቲ መሰኻኽር ይደልዩ ነበሩ፤
60
እንተ ኾነ ኣይረኸቡን፤ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ፥ ሓንቲ በደል ኣይረኸቡሉን።
61
ደሓር ግና ኽልተ ቐሪቦም “እዝ ሰብ እዙይ ‘ንቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፆ እኽእል እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ” በሉ።
62
እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ ተሲኡ “ነዝ ኣብ ልዕሌኻ ዝምስክርዎ ዘለዉስ፥ ሓንቲ እኳዶ ኣይትምልሰሉን?” በሎ።
63
ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።
64
ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ ድሕሪ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ክትሪእዎ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ” በሎ።
65
ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ ቐዲዱ “እንሆ ይፃረፍ ኣሎ፤ ፀርፉውን ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንታይ ምስክር የድልየና እንታይከ ትብሉ?” በለ። ንሳቶም ከዓ “ሞት ይግብኦ!” ኢሎም መለሱሉ።
67
ሽዑ ኣብ ገፁ እንትፍ በሉሉ፤ ገሊኣቶም ድማ ወቕዕዎ።
68
“ኦ ክርስቶስ! መን እዩ ዝወቕዐካ? እስኪ ተነበየልና?” እናበሉ ኸዓ ይፀፍዕዎ ነበሩ።
69
ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢ መረባ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ገረድ መፂኣ “ንስኻውን ምስቲ ኢየሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ።
70
ንሱ ኸዓ “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከሓደ።
71
ናብቲ ኣፍደገ ምስ ወፀ ኸዓ፥ ሓንቲ ኻልእ ገረድ ረአየቶ፤ ኣብኡ ንዝነበሩ ድማ “እዙይ ምስ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ነይሩ እዩ” በለቶም።
72
ንሱ ኸዓ “ነዝ ሰብ እዙይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንኻልኣይ ጊዜ ኸሓደ፤ መሓለውን።
73
ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ፥ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ዘረባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ።
74
ንሱ ኸዓ “ነቲ ሰብ እቱይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ።
75
ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ እንተይነቀወ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
← Chapter 25
Chapter 27 →