bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 25
Matthew 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“በቲ ጊዜ እቱይ መንግስተ ሰማያት፥ መመብራህተን ሒዘን፥ መርዓዊ ኽቕበላ ዝወፃ ዓሰርተ ደናግል ትመስል።
2
ካብኣተን እተን ሓሙሽተ ሰነፋት፥ እተን ሓሙሽተ ኸዓ ለባማት ነበራ።
3
እተን ሰነፋት ቀቀንዲለን ሒዘን፥ ዘይቲ ኣይተማልኣን።
4
እተን ለባማት ግና፥ መምስ ቀንዲለን ዘይቲ ኣብ ሳርማአን ሒዘን ነበራ።
5
መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ፥ ኵለን ተታኺሰን ደቀሳ።
6
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ‘እንሆ መርዓዊ መፂኡ እዩ እሞ፥ ክትቅበሉ ውፁ!’ ዝብል ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ።
7
ሽዑ ዅለን እተን ደናግል ተሲአን፥ ቀቀንዲለን ኣሰናደዋ።
8
እተን ሰነፋት ግና ነተን ለባማት፥ ‘መብራህትና ኽጠፍአና ኢሉሞ፥ ካብ ዘይትኽን እንዶ ሃባና’ በላአን።
9
እተን ለባማት ግና፥ ‘ናብቶም ዝሸጡ ደኣ ኼድክን ንባዕልኻትክን ዓድጋ እምበር፥ ንኣናን ንኣኻትክንን ዝኣክል የብልናን’ በላአን።
10
ክዕድጋ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ መፀ፤ እተን ተዳልየን ዝፀንሓ፥ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፤ በሪ ድማ ተዓፅወ።
11
ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መፂአን ‘ኦ ጐይታ፥ ኦ ጐይታ፥ ክፈተልና’ ” በላ።
12
ንሱ ግና “ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፤ ኣይፈልጠክንን” ኢሉ መለሰለን።
13
እምበኣር እታ ወዲ ሰብ ዝመፀላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።
14
“መንግስተ ሰማያት ከምቲ ኽገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ፀዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም ትመስል።
15
ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፥ ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፥ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ናብ ካልእ ሃገር ከደ።
16
እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ፥ ሽዑ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ኣትረፈ።
17
እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ካልእ ኽልተ መክሊት ኣትረፈ።
18
እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና ኸይዱ፥ ምድሪ ዅዒቱ ገንዘብ ጐይታኡ ሓብአ።
19
ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ጐይታ እቶም ኣገልገልቲ መፂኡ ኽፀባፀቦም ጀመረ።
20
እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ድማ ኻልእ ኣብ ልዕሊአን ሓሙሽተ መክሊት ኣትረፍኩ’ እናበለ፥ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምፅአ።
21
ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።
22
እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ክልተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ኸዓ ኽልተ ኻልኦት መክሊት ኣብ ልዕሊአን ኣትሪፈ ኣለኹ’ በለ።
23
ጐይታኡ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።
24
እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ፥ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ፤
25
ስለ ዝፈራሕኹውን፥ ከይደ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእኽዎ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ ገንዘብካ’ በሎ።
26
እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእኽዎ ኸም ዝዓፅድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ ትፈልጥ እንተ ደኣ ኔርኻ፥
27
ነቲ ገንዘበይ ንመሽረፍቲ ኽትህቦ ምተገብአካ ነይሩ፤ ኣነ ኸዓ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ።
28
እምበኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣሕዲግኩም ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ።
29
ንዘለዎ ዅሉ ይህብዎ፤ ይውስኽዎውን፤ ንዘይብሉ ግና፥ እቲ ዘለዎ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ።
30
ነዝ ሃካይ ኣገልጋሊ ግና፥ ናብ ፍፁም ፀልማት ኣውፂእኹም ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።’
31
“ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቱ፥ ብኽብሩ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ፥ ሽዑ ኣብ ዙፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ።
32
ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽእከቡ እዮም፤ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ፥ ከምኡ ኸዓ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ።
33
ነባጊዕ ብየማኑ፥ ነጣል ድማ ብፀጋሙ ኸቕውም እዩ።
34
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።
35
ጠምየ፥ ኣብሊዕኹምኒ፤ ፀሚአ፥ ኣስቲኹምኒ፤ ጋሻ ኾይነ፥ ተቐቢልኩምኒ፤
36
ዓሪቐ፥ ከዲንኩምኒ፤ ሓሚመ፥ በፂሕኹምኒ፤ ተኣሲረ፥ ናባይ መፂእኹም ጠዪቕኩምኒ ኢኹምሞ’ ኽብሎም እዩ።
37
ሽዑ እቶም ፃድቃን ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ኣብሊዕናካ? ወይ ፀሚእኻስ ኣስቲናካ?
38
መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ ተቐቢልናካ? ወይ ዓሪቕካስ ከዲንናካ?
39
መኣዝ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ በፂሕናካ?’ ይብልዎ።
40
እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።
41
“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤
42
ጠምየ፥ ኣየብላዕኹምንን፤ ፀሚአ፥ ኣየስተኹምንን፤
43
ጋሻ ኾይነ፥ ኣይተቐበልኩምንን፤ ዓሪቐ፥ ኣይከደንኩምንን፤ ሓሚመን ተኣሲረን፥ ኣይበፃሕኹምንን’ ይብሎም።
44
ሽዑ ንሳቶም ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ወይ ፀሚእኻ ወይ ጋሻ ዄንካ ወይ ዓሪቕካ ወይ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ ዘየገልገልናካ?’ ኢሎም ይምልሱሉ።
45
ሽዑ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ይምልሰሎም።
46
ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ቅፅዓት፥ ፃድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።”
← Chapter 24
Chapter 26 →