bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 24
Matthew 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ እናኸደ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ህንፃ ቤተ መቕደስ ኣርኣይዎ።
2
ንሱ ድማ መሊሱ “እዝ ዅሉ ትሪእዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
3
ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብኡ ቕርብ ኢሎም፥ “እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? ናይ ምምፃእኻን ናይ ዓለም መወዳእታን ምልክቱኸ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
4
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ!
5
‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም።
6
ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን።
7
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ።
8
እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
9
በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም።
10
ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን እዮም።
11
ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም።
12
ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ፥ ካብ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ።
13
እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።
14
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
15
“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል።
16
እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ።
17
እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝፀንሐ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤
18
እቲ ኣብ ግራት ዝፀንሐ ድማ፥ ክዳኑ ኽወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ።
19
በተን መዓልቲታት እቲኣተን ንጥኑሳትን፥ ንመጥበውቲ ህፃናትን ወይለአን!
20
ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ከዓ ብሰንበት ምእንቲ ኸይኸውን ፀልዩ።
21
ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ።
22
እተን መዓልቲታት እቲኣተን እንተ ዘይሓፅራስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ፤ ግና እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ክሓፅራ እየን።
23
ሽዑ ዝኾነ ሰብ ‘ክርስቶስ እንሆ፥ ኣብዙይ ኣሎ’ ወይ ከዓ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ።
24
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
25
“እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ፤
26
እምበኣር ‘እንሆ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣሎ’ እንተ በሉኹም፥ ናብኡ ኣይትኺዱ፤ ‘እንሆ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎ’ እንተ በሉኹምውን ኣይትእመኑ።
27
መብረቕ ካብ ምብራቕ ወፂኡ፥ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝረአ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
28
ገምቢ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።”
29
“ድሕሪ መከራ ናይተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ፥ ሽዑ ንሽዑ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ፤ ከዋኽብቲ እውን ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፤ ሓይልታት ሰማያት ድማ ኽናወፁ እዮም።
30
ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ እንትመፅእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም።
31
ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
32
“ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቈፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
33
ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ነዝ ዅሉ ነገራት እዙይ ምስ ረአኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።
34
እዝ ኵሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
35
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
36
“ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ እንትርፊ ኣብ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ወልድ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጣ የለን።
37
ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
38
ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥
39
ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
40
ሽዑ ኽልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክህልዉ እዮም። እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ።
41
ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።
42
እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ነቒሕኩም ሓልዉ።
43
ግና እዙይ ደኣ ኣስተውዕሉ፤ በዓል ገዛ በየነይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ ሰራቒ ኸም ዝመፅእ እንተ ዝፈልጥስ፥ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፤ ገዛኡ ኽትኰዓት እንተላውን፥ ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።
44
እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን፥ ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”
45
“እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ?
46
እቲ ጐይታኡ ምስ መፀ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ።
47
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
48
እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ፥
49
ነቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ኽወቕዖም ይጅምር፤ ምስ ሰካራማት ድማ ይበልዕን ይሰትን።
50
ጐይታ እቲ ኣገልጋሊውን፥ ብዘይ ተፀበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መፂኡ፥
51
ብዘሰቅቕ ሞት ይቐፅዖ፤ ዕድሉ ኸዓ ምስ ግብዛት ይገብሮ፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።”
← Chapter 23
Chapter 25 →