bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 23
Matthew 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዙይ በሎም፦
2
“መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።
3
ስለዙይ ኵሉ ንሳቶም ዝብሉኹም፥ ግበሩን ሓልዉን፤ ንሳቶም እቲ ንሰብ ዝምህርዎ ኣይገብርዎን እዮም እሞ፥ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ግና ኣይትግበሩ።
4
ከቢድን [ምፅዋሩ ዘይምቹን] ፆር ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ማእገሩ የሰክምዎ፤ ንባዕላቶም ግና በፃብዕቶም እኳ ኽነኽእዎ ኣይደልዩን።
5
ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።
6
ኣብ ማእዲ ዝለዓለ ስፍራ፥ ኣብ ቤተ ፀሎቶም ድማ፥ ኣብ ናይ ክብሪ መናብር ይቕመጡ።
7
ኣብ ዕዳጋታት፥ ሰብ ኢድ ክነስአሎምን ‘መምህር’ ኢሉ ኽፅውዖምን ይፈትዉ፤
8
ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ ‘መምህር’ ኣይትበሃሉ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም።
9
ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ስለ ዘለኩም፥ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦ ኢልኩም ኣይትፀውዑ።
10
ሊቅኩም ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምስ ‘ሊቅ’ ኣይትበሃሉ።
11
እቲ ንባዕሉ ዘልዕል፥ ክዋረድ እዩ፤ እቲ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ እሞ፥ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን።”
13
“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!
14
ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንኽተምስሉ ኣብዚሕኹም ብምፅላይ፥ ኣባይቲ መበለታት ትብዝብዙ ኣለኹም፤ ስለዙይ ፅኑዕ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!
15
ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንሓደ ሰብ ናብ ሃይማኖትኩም ክተእትዉ፥ ባሕርን ምድርን እትዞሩ፤ ናብ እምነትኩም ምስ ኣተወ ድማ፥ ካባኻትኩም ብዕፅፊ ዝገደደ፥ ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!
16
ኣቱም ‘ብቤተ መቕደስ ዝምሕል፥ ኣይበደለን ደሓን እዩ፤ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዝምሕል ግና፥ ብማሕላኡ ይተሓዝ’ እትብሉ፥ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!
17
ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? ወርቅዶ ወይ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤተ መቕደስ?
18
‘ብመሰውኢ ዝምሕል ኣይቝፀሮን እዩ፤ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መስዋእቲ ዝምሕል ግና፥ ማሕላ ይኾኖ’ ትብሉ።
19
ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? መስዋእቲዶ ወይ እቲ ንመስዋእቲ ዝቕድሶ መሰውኢ?
20
እምበኣርከስ እቲ ብመሰውኢ ዝምሕል፥ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል።
21
እቲ ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ከዓ፥ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።
22
እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ፥ ብዙፋን እግዚኣብሄርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።
23
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።
24
ኣቱም ትኒንያ እተፅርዩ፥ ግመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!
25
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ ውሽጡ ኸትርን ስሰዐን መሊኡ እንተሎ፥ ንፅዋዕን ንፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ እትሓፅቡ፥ ወይለኹም!
26
ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ! እቲ ፅዋዕን ፃሕልን ላዕላዩ ፅሩይ ምእንቲ ክኸውን፥ ኣቐዲምካ ነቲ ውሽጡ ሕፀቦ።
27
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብወፃኢ ፅቡቕ ኮይኖም ዝረአዩ፥ ውሽጦም ግና ዝበስበሰ ኣዕፅምትን፥ ርኹስ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመፁ መቓብራት እትመስሉ፥ ወይለኹም!
28
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ፃድቃን መሲልኩም ትረአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመልአ እዩ።
29
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ‘ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተንኸውንስ፥ ኣብ ምፍሳስ ደም ነቢያት ኣይምተሳተፍናን’ እናበልኩም መቓብር ነቢያት እትሃንፁ፥ ሓወልቲ ፃድቃን እተጊፁ፥ ወይለኹም!
31
እምበኣርከስ፥ ደቂ ቐተልቲ ነቢያት ምዃንኩም፥ ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹም።
32
ንስኻትኩምውን መስፈሪ ኣቦታትኩም ምልኡ።
33
ኣቱም ኣትማን፥ ውሉድ ኣፍዑት፥ ከመይ ጌርኩምከ፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ?
34
ስለዙይ እንሆ፥ ነቢያትን ጠቢባንን፥ መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፥ ንገሊኣቶም ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎትኩም ክትገርፍዎምን፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም።
35
ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።
36
ናይዝ ዅሉ ፍዳ ነዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዝበፅሖ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
37
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
38
እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ።
39
ደጊም ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ድሕሪ ሕዚ ኸም ዘይትሪኡኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
← Chapter 22
Chapter 24 →