bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 22
Matthew 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦
2
“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።
3
ንሱ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኽፅውዕዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ግና ኽመፁ ኣይደለዩን።
4
መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ ድግሰይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ስቡሓት ዝራብዓተይን ኣብዑረይን ሓሪደ፥ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብቲ መርዓ ንዑ በልዎም’ ኢሉ ንኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ።
5
እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም፥ ገሊኣቶም ናብ ግራቶም ከዱ፤ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ንግዶም ከዱ።
6
እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ሒዞም ኣዋረድዎም፤ ቀተልዎምውን።
7
እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።
8
ሽዑ ነቶም ኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ድግስ እቲ መርዓ ተሰናድዩ እዩ፤ ግና ነቶም ዕዱማት ኣይተገብኦምን።
9
እምበኣርከስ ናብ ኣደባባያትን ናብ ቀራናት መንገድን ኪዱ እሞ፥ ንዅሉ ዝረኸብኩምዎ ናብ መርዓ ፀውዑ’ በሎም።
10
እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም፥ ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ንዅሉ ዝረኸብዎ ኣከቡ፤ እቲ ናይ መርዓ ኣዳራሽውን ብተቐማጦ መልአ።
11
“እንተ ኾነ እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኽርኢ ምስ ኣተወ፥ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሓደ ሰብኣይ ኣብኡ ረአየ እሞ፥
12
‘ዓርከይ! ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ፥ ከመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቲኻ?’ በሎ፤ ንሱ ግና ስቕ በለ።
13
ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፦ ‘ኣእዳዉን ኣጋሩን ኣሲርኩም፥ ኣብ ወፃኢ ናብ ዘሎ ፀልማት ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ’ በሎም።
14
ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።”
15
ድሕሪዙይ ፈሪሳውያን ብዘረባኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዘጋግይዎ ኸይዶም ተማኸሩ።
16
ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም፥ ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ንፈልጥ ኢና።
17
እምበኣር እንታይ ይመስለካ እስኪ ንገረና? ንቄሳር ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ ኣይግባእን?” በልዎ።
18
ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ “ኣቱም ግብዛት! ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም?
19
እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ እስኪ ኣርእዩኒ!” በሎም። ንሳቶም ከዓ ዲናር ኣምፅኡሉ።
20
ኢየሱስ ድማ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም።
21
ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።
22
ነዙይ ሰሚዖም ተገረሙ፤ ሓዲጎምዎ ድማ ኸዱ።
23
በታ መዓልቲ እቲኣ “ትንሳኤ ሙታን የለን” ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መፂኦም፦
24
“መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ እቲ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ሓዉ የእትዋ፤ ንሓዉ ድማ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ።
25
እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ፤ እቲ ዓብዪ፥ ሰበይቲ ኣእትዩ እንተይወለደ ሞተ፤ ነታ ሰበይቱ ድማ ንሓዉ ሓደጋ፤
26
ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ክሳዕ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ እንተይወለዱ ሞቱ።
27
ድሕሪ ዅሎም ከዓ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።
28
ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብጊዜ ትንሳኤ ሙታን ካብ ሸውዓቲኦም፥ ሰበይቲ ኣየነኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ።
29
ኢየሱስ ድማ “መፃሕፍቲ ኾነ ሓይሊ እግዚኣብሄር ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም።
30
ኣብ ጊዜ ትንሳኤስ፥ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም እምበር፥ ኣይዋሰቡን ኣየዋስቡን።
31
ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ግና፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ዝተብሃለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም።
33
እቶም ህዝቢ ነዙይ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ።
34
ፈሪሳውያን፥ ንሰዱቃውያን መልሲ ኸም ዘስኣኖም ሰሚዖም ኣብ ዙርያኡ ተኣከቡ።
35
ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ “መምህር፥ ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ?” ኢሉ ጠየቖ።
37
ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፥ ብምሉእ ነፍስኻ፥ ብምሉእ ሓሳብካ ኣፍቅሮ፤’
38
እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ።
39
እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ እትብል እያ።
40
ኵሎም ኦሪትን ነቢያትን፥ ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተጠሪፎም ኣለዉ” በሎ።
41
ፈሪሳውያን ተኣኪቦም እንተለዉ ኢየሱስ
42
“ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ወዲ ዳዊት” በልዎ።
43
ኢየሱስ ድማ “ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ባዕሉ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ እናበለ፥ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ?
45
እምበኣር ዳዊት ጐይታይ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን?” በሎም።
46
እንተ ኾነ ሓደ እኳ ቓል ክምልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።
← Chapter 21
Chapter 23 →