bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 21
Matthew 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይት ናብ እትርከብ ቤተ ፋጌ በፅሑ፤ ሽዑ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ
2
“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ እስርቲ ኣድጊ ምስ ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹምሞ፥ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ።
3
ዝኾነ ሰብ ‘እንታይ ትገብሩ ኣለኹም’ እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ ይደልዮም ኣሎ’ በልዎ፤ ሽዑ ኽሰዶም እዩ” በሎም።
4
እዝ ዅሉ ዝኾነ እቲ ብነቢይ “ንጓል ፅዮን፥ ‘እንሆ፥ የዋህን ፃድቕን ንጉስኪ፥ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተቐሚጡ፥ ናባኺ ይመፅእ ኣሎ’ በልዋ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
6
ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።
7
ነታ ኣድግን ነታ ገልገላን ኣምፅኡሉ፤ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጐዝጐዙሉ፤ ኢየሱስ ከዓ ተቐመጠ።
8
እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ፤ ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ።
9
እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡውን ዝስዕቡ ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ፤ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ድምፂ የስምዑ ነበሩ።
10
ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸዓ፥ ኵላ እታ ኸተማ “መን እዩ እዙይ?” እናበለት ተናወፀት።
11
እቶም ህዝቢ ድማ “እዙይ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝመፀ ነቢይ ኢየሱስ እዩ” በሉ።
12
ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ዅሎም ኣባረሮም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ።
13
“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕቲ ገበርኩምዎ” በሎም።
14
ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መፁ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
15
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፥ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም፥ ህፃናትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት” እንትብሉ ሰሚዖም ተናደዱ።
16
“እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤
17
ሓዲጉዎም ድማ ኻብታ ኸተማ ወፂኡ ናብ ቢታንያ ኸደ፤ ኣብኡውን ሓደረ።
18
ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤
19
ኣብ ጥቓ መንገዲ ኦም በለስ ሪኡ ናብኣ ኸደ፤ እንተ ኾነ ቘፅሊ ጥራሕ እምበር፥ ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ!” በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት።
20
ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሪኦም፥ “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት!” እናበሉ ተገረሙ።
21
ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ሃልያትኩም እሞ፥ እንተ ዘይተጠራጢርኩም፥ እዛ ዕፀ በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራሕ ኣይኮነን እትገብሩ፤ ነዝ እምባ እዙይ ‘ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በልኩምዎውን ክኾነልኩም እዩ።
22
ኣሚንኩም ብፀሎት ዝለመንኩምዎ ዅሉ ኽትቅበሉ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።
23
ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኽምህር እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ናብኡ መፂኦም “በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ?” በልዎ።
24
ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፦ “ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም፤ ነዚኣ እንተ ነጊርኩምኒ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።
25
ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እዩ? ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ እናበሉ ተዘራረቡ፤ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ ‘ስለ ምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ፤
26
ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ድማ፥ ኵሎም ንዮሃንስ ከም ነቢይ ስለ ዝሪእዎ፥ ነቶም ህዝቢ ንፈርሖም ኢና።”
27
ንኢየሱስ ከዓ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ “ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።
28
ቀፂሉ ኢየሱስ “እንታይ ይመስለኩም? ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፤ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፥ ‘ወደይ፥ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ስራሕ’ በሎ።
29
ንሱ ኸዓ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፤ ደሓር ግና ተናሲሑ ወፈረ።
30
ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸዓ ኸምኡ በሎ፤ ንሱ ድማ ‘እሺ ጐይታይ’ በሎ፤ ግና ኣይወፈረን።
31
ካብ ክልቲኦም ኣየናይ እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝፈፀመ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው፥ ከም ዝቕድሙኹም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
32
ዮሃንስ ብመንገዲ ፅድቂ ናባኻትኩም መፂኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን ደኣ ኣመንዎ እምበር፥ ንስኻትኩምስ ኣይኣመንኩምዎን፤ ነዙይ ምስ ረአኹምውን ተናሲሕኹም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም።
33
ካልእ ምስላውን ስምዑ፥ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ በዓል ቤት ነበረ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚ ድማ ዀዓተሉ፤ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂብዎም ከዓ፥ ናብ ካልእ ሃገር ከደ።
34
ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብ ፍረ ወይኑ ኸምፅኡሉ፥ ንኣገልገልቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ።
35
እቶም ሓረስቶት ከዓ ነቶም ኣገልገልቱ ሒዞም፥ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፤ ንገሊኣቶም ቀተልዎም፤ ንገሊኣቶምውን ብእምኒ ቐጥቀጥዎም።
36
ከምኡውን ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ንኣኣቶምውን ከምኡ ገበርዎም።
37
ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ፥ ወዱ ናብኣቶም ለኣኸ።
38
እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ።
39
ሒዞም ድማ ኻብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውፂኦም ቀተልዎ።
40
እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ ነቶም ሓረስቶት እቲኣቶም እንታይ ኮን ይገብሮም?”
41
ንሳቶም ከዓ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ ፍረኡ በብጊዜኡ ንዝህብዎ ኻልኦት ሓረስቶት ብብላዕ ይህቦም” በልዎ።
42
ኢየሱስ ከዓ፦ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤’ ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን?
43
“ስለዙይ ድማ እታ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ከም እትውሰድ፥ ፍረኣ ንዘፍሪ ህዝቢ እውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣለኹ፤
44
ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ይቕጥቀጥ፤ እቲ እምኒ እቱይ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ” በሎም።
45
ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፥ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረበ ፈለጡ።
46
ክሕዝዎ ድማ ደለዩ፤ ግና እቶም ህዝቢ ኸም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ንኣኣቶም ፈርሕዎም።
← Chapter 20
Chapter 22 →