bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 20
Matthew 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ፥ ሰራሕተኛታት ክደሊ ኣንጊሁ ዝወፀ በዓል ቤት ትመስል።
2
ምስቶም ሰራሕተኛታት፥ ንነፍሲ ወከፎም ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ክህቦም ምስ ተሰማምዐ፥ ክሰርሑ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም።
3
ብሰለስተ ሰዓት ምስ ወፀ ድማ፥ ስራሕ ዘይብሎም ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ፤
4
ንኣኣቶም ከዓ ‘ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱ እሞ ስርሑ፤ እቲ ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ’ በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኸዱ።
5
መሊሱ ድማ ብሽዱሽተን ብትሽዓተን ሰዓት ወፂኡ ኸምኡ ገበረ።
6
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሰዓትውን ወፂኡ፥ ካልኦት ደው ዝብሉ ረኸበ፤ ‘ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ኣብዙይ ደው እትብሉ?’ በሎም።
7
ንሳቶም ከዓ ‘ስራሕ ዝቖፅረና ስለ ዝሰኣንና ኢና’ በልዎ። እምበኣር ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱሞ ስርሑ፤ ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ” በሎም።
8
“ምስ መሰየ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዚ ገዛኡ ‘ነቶም ሰራሕተኛታት ፀውዓዮም፤ ካብቶም ዳሕረዎት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ደመወዞም ሃቦም’ በሎ።
9
እቶም ብዓሰርተ ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ዝመፁ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ።
10
እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ካብቶም ዳሕረዎት ዝበዝሕ ዝቕበሉ መሰሎም፤ ግና ንሳቶምውን ደዲናሮም ተቐበሉ።
11
ምስ ተቐበሉ ኸዓ ‘ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዝሰርሑ ዳሕረዎት፥ ድኻም መዓልትን ሓሩርን ምስ ዝፆርና ምሳና ኣደላዲልካዮም’ እናበሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣጕረምረሙ።
13
ንሱ ኸዓ ንሓደ ኻብኣቶም ‘ዓርከይ! ኣይዓመፅኩኻን፤ ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕኻንን?
14
ዝብፅሐካ ደኣ ሒዝካ ኺድ፤ ነዝ ዳሕረዋይ ድማ ኽንዲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ።
15
ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ።
16
“እቶም ዳሕረዎት ቀዳሞት ክኾኑ፥ እቶም ቀዳሞት ከዓ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።”
17
ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ እንተሎ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ወሰዶም፤ ኣብ መንገዲ ድማ
18
“እንሆ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ንሊቃነ ካህናትን ንመምህራን ሕግን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ንሳቶምውን ንሞት ክፈርድዎ እዮም።
19
ከላግፁሉን ክገርፍዎን ክሰቕልዎን ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም።
20
ድሕሪዙይ እኖ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደት ሓደ ነገር ለመነቶ።
21
ኢየሱስ ከዓ “እንታይ ትደልዪ?” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብፀጋምካ ኽቕመጡ ግበረለይ” በለቶ።
22
ኢየሱስ ግና መሊሱ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትዩዶ ትኽእሉ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ ንኽእል” በልዎ።
23
ኢየሱስ ከዓ “ፅዋዐይስ ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኣብ የማነይን ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ነቶም ሰማያዊ ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም።
24
እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም በቶም ክልተ ኣሕዋት ኰረዩ።
25
ስለዙይ ኢየሱስ ፀዊዑ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።
26
“ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ እቲ ኻባኻትኩም ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን።
27
እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ሓሽከርኩም ይኹን።
28
ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
29
ካብ ኢያሪኮ ኽወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ።
30
እንሆ ድማ ኽልተ ዓይነ ስዉራት ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ፥ ኢየሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሰሚዖም፥ “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
31
እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ ክብሉ ገሰፅዎም፤ ንሳቶም ግና “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።
32
ኢየሱስ ደው ኢሉ ፀውዖም እሞ፥ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም።
33
ንሳቶም ድማ “ኦ ጐይታ! ኣዒንትና ክኽፈታ” በልዎ።
34
ኢየሱስ ድማ ራህርሀሎም፤ ኣዒንቶምውን ዳህሰሰ እሞ ሽዑ ረአዩ፤ ተኸተልዎውን።
← Chapter 19
Chapter 21 →