bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 19
Matthew 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ፈፀመ፥ ካብ ገሊላ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ምድሪ ይሁዳ በፅሐ።
2
ብዙሓት ህዝቢ ድማ ተኸተልዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቶም ዝሓመሙ ኣሕወዮም።
3
ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈትሓዶ ይግባእ እዩ?” እናበሉ ኽፍትንዎ ናብኡ መፁ።
4
ንሱ ድማ መሊሱ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ‘ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም፥ ስለዙይ ድማ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ፤ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?’
6
ስለዙይ እዚኣቶም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ፥ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።
7
ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ሙሴ መፍትሒኣ ፅሑፍ ሂቡ ኽፈትሓ ዝኣዘዘ?” በልዎ።
8
ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም እምበር፥ ካብ መጀመርታስ ከምኡ ኣይነበረን።
9
ኣነ ግና ‘እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ፥ ካሊእውን ዘእቱ ይዝሙ፤ ፍትሕቲ ዘእቱውን ይዝሙ’ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
10
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን፥ ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ዘይምውሳብ ይሐይሽ” በልዎ።
11
ኢየሱስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ፥ ነቶም ዝተውሃቦም እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን።
12
ካብ ከርሲ እኖኣቶም፥ ስሉባት ኮይኖም ዝተወለዱ ኣለዉ፤ ሰባት ስሉባት ዝገበርዎምውን ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም፥ ንባዕላቶም ከም ስሉባት ዝገበሩውን ኣለዉ፤ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ” በሎም።
13
ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኽፅልየሎም፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም።
14
ኢየሱስ ግና “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ንህፃናት ሕደግዎም፤ ናባይ ምምፃእ ኣይትኽልእዎም” በሎም።
15
ኢዱ ምሰንበረሎም ድማ ኻብኡ ኸደ።
16
እንሆ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፂኡ፥ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ፥ እንታይ ሰናይ ግብሪ ኽገብር?” በሎ።
17
ኢየሱስ ከዓ “ንምንታይ ብዛዕባ ሰናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!” በሎ።
18
ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤
19
ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ብፃይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።
20
እቲ ጐበዝ ድማ “ነዙይ ኵሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ ኣለኹ፤ እንታይ ደኣ እዩ ዝጐድለኒ?” በሎ።
21
ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ፍፁም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፥ ኬድካ ዅሉ ዘለካ ሼጥካ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኽትረክብ ኢኻ እሞ፥ ነዓ ተኸተለኒ!” በሎ።
22
እቲ ሰብኣይ ድማ ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ፥ ነዝ ቓልዙይ ምስ ሰምዐ እናሓዘነ ኸደ።
23
ኢየሱስ ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ጭንቂ ኸም ዝኾነ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
24
መሊሱውን፥ ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
25
ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዙይ ሰሚዖም “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል!” እናበሉ የመና ተገረሙ።
26
ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዙይ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም።
27
ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ ኣለና፤ እንታይ ክንረክብ ኢና?” በሎ።
28
ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
29
ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ።
30
ግና ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ፥ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።
← Chapter 18
Chapter 20 →