bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 18
Matthew 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ይዓቢ?” እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።
2
ኢየሱስ ድማ ንሓደ ህፃን ናብኡ ፀዊዑ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦
3
“እንተ ዘይተመሊስኩም፥ ከምዝ ህፃን እዙይውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
4
እቲ ኸምዝ ህፃን እዙይ ንባዕሉ ዘትሕት፥ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዝዓቢ።
5
እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ህፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል።
6
እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ።
7
“ዕንቅፋት ግድን ክመፅእ እዩ እሞ፥ ብዛዕባ ዕንቅፋት ንዓለም ወይለኣ! ምናዳ ነቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዝመፅእ ሰብ ወይለኡ!
8
ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኢድካን ክልተ እግርኻን፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበ፥ ብቘራፅካ ወይ ብሓንካስካ ናብ ህይወት ክትኣቱ ይሕሸካ።
9
ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ድማ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ዓይንኻ፥ ናብ ገሃነም እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።
10
“መላእኽቶም ኣብ ሰማያት፥ ኵልሻዕ ገፅ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይሪኡ እዮም እሞ፥ ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ።
11
ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ ዝመፀ እሞ።
12
እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን?
13
እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ዘይጠፍኣ ተስዓን ትሽዓተን፥ ብኣኣ የመና ኸም ዝሕጐስ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
14
ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ኣይኮነን።
15
“ሓውካ እንተ በደለካ፥ ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ።
16
እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ፥ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።
17
ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፥ ከም ኣረማዊን ከም ተቐባሊ ቀረፅን ቍፀሮ።
18
“ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኹምዎ ድማ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ።
19
ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
21
ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ኦ ጐይታ! ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ።
22
ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።”
23
ስለዙይ መንግስተ ሰማያት፥ ምስ ኣገልገልቱ ኽፀባፀብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል፤
24
ክፀባፀብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምፅኡሉ።
25
ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን፥ ሰበይቱን፥ ደቁን፥ ዘለዎ ዅሉ ሃብትን ክሽየጥ እሞ፥ እቲ ዕዳ ክኸፍል ኣዘዘ።
26
እቲ ኣገልጋሊ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊኡ፥ “ጐይታይ! ተዓገሰኒ ደኣ እምበር፥ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ለመኖ።
27
እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ራህርሀሉሞ ፈትሖ፤ ዕዳኡውን ሓደገሉ።
28
እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብፆቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ “ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ” ኢሉ ሓኒቑ ሓዞ።
29
ሽዑ እቲ ብፃዩ ኣገልጋሊ “ተዓገሰኒ፤ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ተደፊኡ ለመኖ።
30
ንሱ ግና ኣበዮ፤ ከይዱ ድማ ኽሳዕ ዕዳኡ ዝፈድዮ ኣእሰሮ።
31
እቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ድማ፥ እቲ ዝገበሮ ሪኦም የመና ሓዘኑ፤ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ።
32
ሽዑ እቲ ጐይታኡ ፀዊዑ “ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ! ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዅሉ ዕዳኻ ሓደግኩልካ፤
33
ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብፃይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን?” በሎ።
34
ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ።
35
“እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”
← Chapter 17
Chapter 19 →