bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 17
Matthew 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፥ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንሓዉ ዮሃንስን ወሲዱ፥ ንበይናቶም ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም።
2
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
3
እንሆ፥ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንትዘራረቡ ተርኣዩዎም።
4
ጴጥሮስ ድማ፥ ንኢየሱስ፥ “ኦ ጐይታ! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ኣብዙይ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደውን ንኤልያስ” በሎ።
5
ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
6
ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም እምብዛ ስለ ዝፈርሑ፥ ብግምባሮም ተደፍኡ።
7
ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ነኽኦምሞ “ተስኡ! ኣይትፍርሑ!” በሎም።
8
ኣዒንቶም ንላዕሊ ቘላሕ እንተ በሉ ድማ፥ እንትርፊ ኢየሱስ በይኑ፥ ሓደ እኳ ኣይረአዩን።
9
ካብ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታን ክሳዕ ዝትስእ፥ እዝ ዝረአኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ!” ኢሉ ኣዘዞም።
10
ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ፥ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
11
ንሱ ድማ መሊሱ “እወ፤ ኣቐዲሙ ኤልያስ ክመፅእ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ኸቃንዕ እዩ።
12
ኣነ ግና፥ ኤልያስ ድሮ መፂኡ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝደለዩ ገበሩ እምበር ኣይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ብኣኣቶም መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
13
ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ ከም ዝበሎም ኣስተውዓሉ።
14
ናብቲ ህዝቢ ምስ በፅሑ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐረበሞ ተንበርኪኹ፦
15
“ጐይታይ! ንወደይ መሓረለይ፤ በብወርሑ ዘውድቕ ሕማም እናተልዓሎ የመና ይሳቐ፤ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ማይን ሓዊን የውድቖ እዩ እሞ፥ ራህርሀለይ፤
16
ናብ ደቀ መዛሙርትኻውን ኣምፂአዮስ፥ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን” በሎ።
17
ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።
18
ሽዑ ኢየሱስ ገሰፆ፤ እቲ ጋኔን ከዓ ኻብኡ ወፀ፤ እቲ ቘልዓ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።
19
ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውፃኡ ዝሰኣንና?” በልዎ።
20
ኢየሱስ ከዓ “ብጕድለት እምነትኩም እዩ፤ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ፥ ናብቱይ ተልዓል!’ እንተ በልኩምዎ ይለዓል፤ ዘይከኣለኩም ነገርውን የለን።
21
እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ግና፥ ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።
22
ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ እናተመላለሱ እንተለዉ፥ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤
23
ንሳቶም ከዓ ኽቐትልዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኽትስእ እዩ” በሎም፤ ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም ሓዘኑ።
24
ናብ ቅፍርናሆም ምስ መፁ፥ እቶም ግብሪ ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ናብ ጴጥሮስ መፂኦም፥ “መምህርኩምስ ግብሪዶ ኣይኸፍልን እዩ?” በልዎ።
25
ንሱ ድማ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ስምኦን! እንታይ ይመስለካ? ነገስታት ምድሪ፥ ግብርን ቀረፅን ካብ መን ይቕበሉ? ካብ ደቆምዶ ወይ ካብ ካልኦት?” በሎ።
26
ጴጥሮስ ከዓ “ካብ ካልኦት እባ” በለ። ኢየሱስ ድማ “እምበኣር ደቆምስ ነፃ እዮም።
27
ግና ምእንቲ ኸይነዐንቅፎም፥ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ፤ ንእኡ ወሲድካ፥ ክንዳይን ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።
← Chapter 16
Chapter 18 →