bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 16
Matthew 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክፍትንዎ መፁ፤ ካብ ሰማይ ምልክት ከርእዮም ድማ ጠየቕዎ።
2
ኢየሱስ ድማ “ምስ መሰየ ‘ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ፃሓ ክኸውን እዩ’ ትብሉ፤
3
ምስ ወግሐ ድማ ‘ደመና ኾይኑ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ሎምስ ክዘንም እዩ’ ትብሉ፤ ኣቱም ግብዛት! ገፅ ሰማይ ምልላይ ትፈልጡ፤ ናይ ዘመናት ምልክት ደኣ ኸመይ ዘይትፈልጡ?
4
ክፉእን ዘይኣምንን ትውልዲ፥ ምልክት ይደሊ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ግና፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ” በሎም። ሓዲጉዎም ከዓ ኸደ።
5
ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ኽሳገሩ እንተለዉ እንጀራ ምሓዝ ረሲዖም ነበሩ፤
6
ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፥ ተጠንቀቑ ተዓቀቡውን” በሎም።
7
ንሳቶም ግና “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተዘራረቡ።
8
ኢየሱስ ድማ ፈሊጥዎም “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም ንስንሳትኩም ትዘራረቡ?
9
ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እቲ ሓሙሽተ እንጀራ፥ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም?
10
ወይ ድማ እቲ ሸውዓተ እንጀራ፥ ነርባዕተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም?
11
እቲ ‘ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ’ ዝበልኩኹምከ ብዛዕባ እንጀራ ኸም ዘይኮነ፥ ንምንታይ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም።
12
ንሳቶም ድማ ኢየሱስ ተጠንቀቑ ዝበሎም ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ደኣ እምበር፥ ካብ ማይ ብሒቝ እንጀራ ኸም ዘይኮነ ሽዑ ኣስተውዓሉ።
13
ኢየሱስ ኣብ ናይ ፊልጶስ ሃገር ቂሳርያ ምስ በፅሐ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ?” ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጠየቖም።
14
ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ገሊኣቶም ‘ኤልያስ’ ገሊኣቶም ‘ኤርሚያስ’ ወይ ‘ሓደ ኻብ ቀዳሞት ነቢያት እዩ’ ዝብሉኻ ኣለዉ” በልዎ።
15
ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ?” በሎም።
16
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
17
ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን ኣይገለፀልካን እሞ፥ ብፁእ ኢኻ” በሎ።
18
“ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም።
19
መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፤ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኻዮ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ” በሎ።
20
ድሕሪዙይ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጠንቀቖም።
21
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን፥ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ከም ዝቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸም ዝትስእን ንደቀ መዛሙርቱ ኽገልፀሎም ጀመረ።
22
ጴጥሮስ ከዓ ቕርብ ኢሉ፥ “ጐይታ! እዙይ ከቶ ኣባኻ ኣይብፃሕ” እናበለ ክኽልክሎ ጀመረ።
23
ኢየሱስ ግና ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ፥ “ንስኻ ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዘይትሓስብ፥ ንኣይ ዕንቅፋት ኴንካኒ ኢኻሞ፥ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ!” በሎ።
24
ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይከተለኒ።
25
እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸዓ፥ ክረኽባ እዩ።
26
ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
27
ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
28
ኻብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመፅእ እንተሎ ኽሳዕ ዝሪእዎ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
← Chapter 15
Chapter 17 →