bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 15
Matthew 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥
2
“ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ስርዓት ዓበይቲ ዝጥሕሱ? እንጀራ እንትበልዑ ኣእዳዎም ኣይሕፀቡን ኢዮም” ኢሎም ጠየቕዎ።
3
ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ስለ ምንታይ ደኣ ንስኻትኩም፥ ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ?
4
እግዚኣብሄር፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡን ንኖኡን ዝፀርፍ ፈፂሙ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።
5
ንስኻትኩም ግና እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ገይረዮ እየ’ ዝብል ሰብ፥
6
‘ነቦኡ ወይ ንኖኡ ከኽብር ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ፤ ስለዙይ ምእንቲ ስርዓትኩም ቃል እግዚኣብሄር ትስዕሩ፤
7
ኣቱም ግብዛት! ኢሳይያስ፥ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ብልቡ ግና ኻባይ እምብዛ ዝረሓቐ እዩ። ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ ኢሉ፥ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።’ ”
10
ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ “ስምዑ! ኣስተውዕሉውን!
11
ንሰብ ዘርክሶ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር፥ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን” በሎም።
12
ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፥ “ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም ዝተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ?” በልዎ።
13
ንሱ ኸዓ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዅሉ ተኽሊ ኽብቈስ እዩ፤
14
ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።
15
ጴጥሮስ ድማ “ነዝ ምስላ እዙይ ተርጕመልና” በሎ።
16
ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን?
17
ኵሉ እቲ ብኣፍ ዝኣቱ፥ ናብ ከብዲ ኸም ዝሓልፍ እሞ፥ ንደገ ኸም ዝወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
18
እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና፥ ካብ ልቢ እዩ ዝወፅእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ።
19
ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።
20
እዙይ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ብዘይተሓፀበ ኢድ ምብላዕስ ንሰብ ኣየርክሶን” በሎም።
21
ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣግለሰ።
22
እንሆ ድማ ሓንቲ ከነዓናዊት ሰበይቲ፥ ካብ ከባቢ እቲ ዓዲ መፂኣ “ኦ ጐይታ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ክፉእ ጋኔን ሒዙዋ የሳቕያ ኣሎ እሞ ራህርሀለይ!” እናበለት ዓው ኢላ ድምፂ ኣስምዐት።
23
ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም “ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣሰናብታ!” ኢሎም ለመንዎ።
24
ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።
25
ንሳ ግና “ጐይታይ ርድአኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ።
26
ንሱ ኸዓ መሊሱ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን” በላ።
27
ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውንኮ፥ ካብ ማእዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ።
28
ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከም ዝደለኺዮ ይኹነልኪ!” በላ። እታ ጓላውን በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
29
ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፤ ናብ እምባ ደዪቡ ድማ፥ ኣብኡ ተቐመጠ።
30
ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሓንካሳት፥ ዕዉራት፥ ፀማማት፥ ቈራያት፥ ብዙሓት ካልኦትውን ምስኣቶም ሒዞም ናብኡ ቐረቡ፤ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስውን ኣቐመጥዎም፤ ንሱ ኸዓ ኣሕወዮም።
31
እቶም ህዝቢ ድማ፥ በሃማት እንትዛረቡ፥ ቈራያት እንትሓውዩ፥ ሓንካሳት እንትኸዱ፥ ዕዉራትውን እንትሪኡ ተመልኪቶም ተገረሙ እሞ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።
32
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ፥ ብጥሙዮም ከፋንዎም ኣይደልን” በሎም።
33
ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዝ በረኻ እዙይ ደኣ፥ ንኽንድዙይ ዝኣክል ህዝቢ ዘፅግብ እንጀራ፥ ካበይ ክንረክብ ኢና?” በልዎ።
34
ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ እንጀራኸ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ እንጀራን ቁሩብ ዓሳን” በልዎ።
35
ነቶም ህዝቢ ኸዓ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም።
36
ሽዑ ነተን ሸውዓተ እንጀራን ነቲ ቑሩብ ዓሳን ኣልዒሉ ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡ።
37
ኵሎምውን በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ።
38
እቶም ዝበልዑ ኸዓ፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።
39
ነቶም ህዝቢ ምሰፋነዎም ድማ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ወሰን መጌዶል ከደ።
← Chapter 14
Chapter 16 →