bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 14
Matthew 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ጊዜ እቱይ ገዛኢ ገሊላ ሄሮድስ ዝና ኢየሱስ ሰምዐ።
2
ንሓሻኽሩ ድማ “እዙይ መጥምቕ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ ኣሎ፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ተኣምራት እዙይ ብእኡ ይግበር ኣሎ” በሎም።
3
ሄሮድስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፥ ንዮሃንስ ሒዙ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።
4
ዮሃንስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን እዩ” ይብሎ ነበረሞ።
5
ክቐትሎ እኳ እንተ ደለየ፥ እቶም ህዝቢ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ይፈርሖም ነበረ።
6
በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤
7
ሽዑ ዝደለየቶ ኽህባ መሓለላ።
8
ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።
9
እቲ ንጉስ ሓዘነ፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ክህብዋ ኣዘዘ።
10
ሰብ ልኢኹ ድማ፥ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ።
11
ነታ ርእሱ ብፃሕሊ ኣምፂኦም፥ ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኖኣ ሃበታ።
12
ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ መፂኦም፥ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ ከይዶምውን ንኢየሱስ ነገርዎ።
13
ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ፥ ንበይኑ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከካብ ዓዶም ተኣኪቦም ብእግሪ ተኸተልዎ።
14
ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ራህርሀሎም፤ ንሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ።
15
ምስ መሰየ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን ሓሊፉ እዩ፤ ስለዙይ እዞም ህዝቢ ናብ ዓድታት ከይዶም፥ ንባዕላቶም ምግቢ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።
16
ኢየሱስ ግና “ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ንስኻትኩም ደኣ ዝብላዕ ሃብዎም” በሎም።
17
ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ እንትርፊ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካልእ የብልናን” በልዎ።
18
ንሱ ግና “ናባይ ኣምፅእወን” በለ።
19
ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።
20
ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
21
እቶም ዝበልዑ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ።
22
ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብቶም፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም፥ ናብ ማዕዶ ኽቕድምዎ ኣዘዞም።
23
ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸዓ፥ ክፅሊ በይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ድማ፥ በይኑ ኣብኡ ነበረ።
24
እታ ጃልባ [ሓሙሽተ ኺሎ ሜትር ኣቢላ] ኻብ ምድሪ ርሒቓ ነበረት፤ ንፋስ ብቕድሚኣ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ብማዕበል ትናወፅ ነበረት።
25
ኢየሱስ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ ኣቢሉ ብልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብኣቶም መፀ።
26
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብልዕሊ ባሕሪ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ “ምትሃት እዩ” ኢሎም ተሸበሩ፤ ካብ ፍርሓት ዝተልዓለውን ኣእወዩ።
27
ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።
28
ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ።
29
ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ።
30
ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ።
31
ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ።
32
ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ ግና፥ እቲ ንፋስ ሃድአ።
33
እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ “ንስኻ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ!” እናበሉ ሰገዱሉ።
34
ባሕሪ ተሳጊሮም ድማ፥ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ በፅሑ።
35
እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፥ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ልኢኾም፥ ንዅሎም ሕሙማት ኣምፅኡሉ።
36
ዘፈር ክዳኑ ኽነኽኡ ጥራሕ ለመንዎ፤ ኵሎም ዝነኽእዎ ድማ ሓወዩ።
← Chapter 13
Chapter 15 →