bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 13
Matthew 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ መዓልቲ እቲኣ ኢየሱስ ካብ ቤት ወፂኡ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ።
2
ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ።
3
ብምስላ ድማ ኸምዙይ እናበለ ብዙሕ ነገሮም፤ “እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ፤
4
ክዘርእ እንተሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ ነበረ፤ ኣዕዋፍ መፂኦም ድማ በልዕዎ።
5
ገሊኡውን ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ፥ ቀልጢፉ በቘለ።
6
ፀሓይ ምስ በረቐት ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።
7
ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ።
8
ገሊኡ ግና ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ ድማ ፈረየ።
9
ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
10
ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ስለ ምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘለኻ?” በልዎ።
11
ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።
12
ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝሐሉውን፤ ንዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ።
13
እናረአዩ ኣይሪኡን፤ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፤ ወይ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፥ ስለዙይ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘለኹ።
14
‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤ በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥ ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪሩ እዩ እሞ፥ ምስማዕስ ትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን፤’ ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
16
“ንስኻትኩም ግና ኣዒንትኹም ይሪኣ፤ ኣእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁኣን ኢኹም።
17
ብዙሓት ነቢያትን ፃድቃንን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ክሪእዎ ተመንዮም ከም ዘይረአይዎ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ክሰምዑዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዑዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
18
“እምበኣር ንስኻትኩም ናይቲ ዘራኢ ምስላ ስምዑ።
19
ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።
20
እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ግና፥ ነቲ ቓል ሰሚዑ ሽዑ ብሓጐስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ።
21
እንተ ኾነ ሱር ስለ ዘይብሉ ንጊዜኡ እዩ እምበር፥ ስለ እቲ ቓል ስደት ወይ መከራ ምስ ኮነ፥ ሽዑ ንሽዑ ይኽሕድ።
22
እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።
23
እቲ ኣብ ፅቡቕ መሬት ዝተዘርአ ግና፥ እቲ ነዝ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ንሱውን ፍረ ይፈሪ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡውን ሰላሳ ይህብ እዩ።”
24
ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራቱ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል።
25
እቶም ቤተሰቡ ደቂሶም እንተለዉ፥ ፀላኢኡ መፂኡ፥ ኣብቲ ማእኸል ስርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።
26
እቲ በቝሊ ዓብዩ ምስ ፈረየ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተርኣየ።
27
ኣገልገልቲ እቲ በዓል ግራት መፂኦም ‘ጐይታይ! ኣብ ግራትካ ፅሩይ ዘርኢዶ ዘሪእኻ ኣይነበርካን? እዝ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መፀ?’ በልዎ።
28
‘ነዙይስ ፀላኢ እዩ ዝገበሮ’ በሎም፤ እቶም ኣገልገልቱ ግና፥ ‘እምበኣር ኬድና ኽንፃህዮዶ ትደሊ ኢኻ?’ በልዎ።
29
ንሱ ድማ ‘ክርዳድ ክትፃህዩ እንተለኹም ምስኡ ስርናይ ከይትብቍሱስ፥
30
ክሳዕ ቐውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓፃዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ በቁስዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና፥ ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ’ ኽብሎም እየ” በሎም።
31
ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።
32
ንሳ ድማ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ ትንእስ፥ ምስ በቘለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መፂአን፥ ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዘዕርፋ፥ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።”
33
ካልእ ምስላውን ነገሮም፤ “መንግስተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰትሉ፥ ማይ ብሒቝ ትመስል።”
34
ኢየሱስ እቲ ብነቢይ “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሰዊሩ ዝነበረውን እነግር” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፥ ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረቦምን።
36
ድሕሪዙይ ነቶም ህዝቢ ኣፋንዩ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፥ ምስላ ናይቲ ኽርዳድን [ስርናይን] ግራትን ተርጕመልና በልዎ።
37
ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ፅሩይ ዘርኢ ዝዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፤
38
እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም።
39
እቲ ዝዘርኦም ፀላኢ ኸዓ፥ ዲያብሎስ እዩ፤ ቀውዒ ድማ፥ መወዳእታ ዓለም እዩ፤ እቶም ዓፃዶውን፥ መላእኽቲ እዮም።
40
እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዘቃፅልዎ፥ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ።
41
ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም።
42
ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኽድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።
43
ሽዑ ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ሰማያዊ ኣቦኣቶም ከም ፀሓይ ክበርሁ እዮም፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
44
“መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ሃብቲ እሞ፥ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝሓብኦ፥ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል።
45
“ከምኡ ድማ መንግስተ ሰማያት፥ ክቡር ዕንቊ ዝደሊ ነጋዳይ ሰብ እሞ፥ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ዕንቊ ዝዕድጋ ትመስል።
47
“ከምኡውን መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ባሕሪ ዝተዘርግሐት እሞ፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።
48
ምስ መልአት ናብ ደንደስ ኣውፅእዋ፤ ተቐሚጦም ድማ ፀፅቡቑ ኣርዮም ኣብ ኣቕሓ ኣከቡ፤ ነቲ ሐሕማቑ ግና ንወፃኢ ደርበይዎ።
49
ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ፤ መላእኽቲ መፂኦም ነቶም ክፉኣት፥ ካብ ማእኸል ፃድቃን ክፈልይዎም እዮም።
50
ናብ እቶን ሓዊውን ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።”
51
ኣስዒቡ ኸዓ “ነዝ ዅሉስ ተረዲእኹምዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ” በልዎ።
52
ንሱ ኸዓ “እምበኣርከስ ኵሉ ናይ መንግስተ ሰማያት ደቀ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ፥ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዘውፅእ፥ በዓል ገዛ እዩ ዝመስል” በሎም።
53
ኢየሱስ ነዘን ምስላታት እዚኣተን ምስ ፈፀመ ኻብኡ ኣግለሰ።
54
ናብ ዓዱ መፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ከምዙይ ኢሎም ክሳዕ ዝድነቑ መሃሮም፦ “እዝ ሰብ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥበብን፥ እዝ ዅሉ ተኣምራትን ካበይ ረኸቦ?
55
ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? እኖኡስ ማርያምዶ ኣይኮነትን? ኣሕዋቱስ ያእቆብ፥ ዮሳ፥ ስምኦን፥ ይሁዳዶ ኣይኮኑን?
56
ኵለን ኣሓቱስ እተን ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን? እዝ ዅሉ [ጥበብን ሓይልን] ደኣ ኻበይ ኣምፅኦ?” በሉ፤
57
ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና “ነቢይ፥ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ገዛኡን ኣይነዓቕን” በሎም።
58
ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ድማ፥ ኣብኡ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበረን።
← Chapter 12
Chapter 14 →