bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 12
Matthew 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ፥ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ፥ ሸዊት እናቐንጠቡ ኽበልዑ ጀመሩ።
2
ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ሪኦም “ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።
3
ንሱ ድማ፦ “ዳዊት ምስ ጠመየ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ ንኻህናት ንበይናቶም እምበር፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ ክበልዕዎ ዘይግባእ ሕብስቲ ቝርባን፥ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?
5
ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብሰንበት፥ ንሰንበት ከም ዝስዕርዋ፥ በደል ከዓ ኸም ዘይኾኖም ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?
6
ኣነ ግና ኻብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ፥ እብለኩም ኣለኹ።
7
ግና ‘ካብ መስዋእቲ፥ ምሕረት እፈቱ’ ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተ እትፈልጡስ፥ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም፤
8
ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ እሞ” በሎም።
9
ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ።
10
እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
11
ኢየሱስ ከዓ፦ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፥ ብሰንበት ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፥ ሒዙ ዘየውፅኣ ሰብ መን እዩ?
12
ካብ በጊዕስ ሰብዶ ግዳ እምብዛ ኣይበልፅን? እምበኣር ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ” በሎም።
13
ሽዑ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ ዘርግሓ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።
14
ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ።
15
ኢየሱስ ድማ ነዙይ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ ተኸተልዎ፤ ንዅሎምውን ኣሕወዮም።
16
ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም።
17
እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ
18
“እንሆ እቲ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዘፍቅሮ ኣገልጋሊየይ፥ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፤ ንኣህዛብ ድማ ፍትሒ ኸብስር እዩ።
19
ንሱ ኣይከራኸርን፤ ዓው ኢሉ ኣየድምፅን፤ ሓደ እኳ ኣብ ኣደባባይ ድምፁ ኣይሰምዕን እዩ።
20
ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ ንቕጥቁጥ ሻምበቆ ኣይሰብርን፤ ንዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።
21
ኣህዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኽገብሩ እዮም።” ተብሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
22
ድሕሪዙይ ጋኔን ዝሓደሮ ሓደ ዕዉርን በሃምን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ፥ ከም ዝርእን ከም ዝዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ።
23
ኵሎም እቶም ህዝቢ ከዓ “እዙይስ እቲ ወዲ ዳዊትዶ ኣይኮነን?” ኢሎም ተደነቑ።
24
ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፥ “እዙይ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ‘ብብኤል ዜቡል’ እዩ እምበር፥ ንኣጋንንቲ ኣየውፅኦምን እዩ” በሉ።
25
ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፤ “ኵላ ንስንሳታ እትፈላለ መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ እትፈላለ ዅላ ኸተማ ወይ ገዛ ድማ ኣይትቐውምን እያ።
26
እምበኣር ሰይጣን ንሰይጣን ዘውፅኦ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ንስንሳቱ ተፈላልዩ ማለት እዩ፤ እታ መንግስቱኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም?
27
ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ፥ ደቅኹም ደኣ ብመን የውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድቲ ክኾኑኹም እዮም።
28
ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ እምበኣር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም መፂኣ ኣላ ማለት እዩ።
29
“ወይ ከዓ ቕድም ነቲ ሓያል እንተይኣሰረ፥ ናብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ኣቑሑኡ ኽጕርጕር ዝኽእል መን እዩ? ድሕሪዙይ እዩ፥ ነቲ ገዛኡ ዝጕርጕር።
30
እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተፃራርየይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከዓ ይብትን።
31
ስለዙይ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ይሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
32
ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዘይግባእ ቃል ዝተዛረበ ኽሕደገሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ዘይግባእ ዝተዛረበ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ፥ ኣብታ እትመፅእ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
33
“ፅቡቕ ኦም ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ እሞ፥ ፅቡቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ፅቡቕ ይኸውን፤ ወይ ከዓ ሕማቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን።
34
ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?
35
“ሕያዋይ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ ነገር የውፅእ።”
36
“ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”
38
ሽዑ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን መፂኦም “ኦ መምህር! ካባኻ ምልክት ክንርኢ ንደሊ ኢና” በልዎ። ንሱ ግና ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦
39
“እዛ ኽፍእትን ዘይተኣምንን ትውልዲ እዚኣ፥ ምልክት ትደሊ ኣላ፤ እንተ ኾነ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃባን እዩ።
40
ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።
41
ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሲኦም ክዅንንዋ እዮም። እምበኣር ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
42
ንግስቲ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሲኣ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ኽትኵንና እያ፤ እምበኣር ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
43
“ርኹስ መንፈስ፥ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ ማይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዀለል ይብል፤ ግና ኣይረክብን።
44
ሽዑ ‘ናብቲ ዝወፃእኹሉ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል፤ እንተ መፀ ድማ፥ ጥራሑን ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይረኽቦ።
45
ድሕሪዙይ ይኸይድ እሞ፥ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ሒዙ ይመፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሓድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ፥ ከምኡ ክኾኖ እዩ።”
46
ነቶም ህዝቢ ኽነግሮም እንተሎ፥ እንሆ እኖኡን ኣሕዋቱን ከዛርብዎ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
47
ሓደ ሰብ ከዓ “እኖኻን ኣሕዋትካን ከዘራርቡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ።
48
ኢየሱስ ግና ነቲ ዝነገሮ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሉ።
49
ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኢዱ ዘርጊሑ እናመልከተ “እኖይን ኣሕዋተይን እዚኣቶም እዮም። ኵሉ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር፥ ንሱ ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በለ።
← Chapter 11
Chapter 13 →