bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Matthew 11
Matthew 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ሓለፈ።
2
እንሆ ድማ ዮሃንስ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፥ ብዛዕባ ተግባር ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፥
3
“እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ፥ ወይ ድማ እንፅበዮ ኻልእ ኣሎ?” በሎ።
4
ኢየሱስ ከዓ፦ “ኬድኩም፥ እዝ እትሰምዕዎን እትሪእዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ።
5
ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምዉታን ይትስኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ።
6
ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” በሎም።
7
ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ፥ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ በረኻ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምበቆ?
8
እንታይ ደኣ ኽትሪኡ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገስታት ኣለዉ።
9
እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይ ኽትሪኡ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝበልፅ እዩ እብለኩም ኣለኹ።
10
ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ ኣነ ቐቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ እሞ።
11
ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይተስአ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና፥ እቲ ኻብኡ ዝንእስ እዩ ዝዓብዮ።
12
ካብ ዘመን መጥምቕ ዮሃንስ ክሳዕ ሎሚ፥ መንግስተ ሰማያት ትግፋዕ ኣላ፤ እቶም ዝገፍዑ ድማ፥ ይመናጠልዋ ኣለዉ።
13
“ኵሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሃንስ ተነብዮም እዮም እሞ።
14
ክትቅበልዎ እንተ ደኣ ደሊኹም፥ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ኤልያስ፥ ንሱ ዮሃንስ እዩ።
15
ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
16
“ነዝ ትውልዲ እዙይ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም፥ መሓዙቶም ዝፅውዑ ቘልዑ እዩ ዝመስል።
17
ከምዙይ ከዓ ይብልዎም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን።’
18
ዮሃንስ እንተይበልዐን እንተይሰተየን እንተ መፀ ጋኔን ኣለዎ ይብሉ።
19
ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን እንተ መፀ ኸዓ፥ እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ይብሉ። ጥበብ ግና ብደቃ ፀደቐት።”
20
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነተን ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረለን ከተማታት፥ ስለ ዘይተነስሃ ኸምዙይ ኢሉ ኽነቕፈን ጀመረ፦
21
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።
22
ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐለለን፥ እነግረክን ኣለኹ።
23
ኣቲ ቅፍርናሆም፥ ንስኺ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ተልዓልኪ፥ ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ፤ እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ክሳዕ ሎሚ ምሃለወት ነይራ።
24
ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኽስ ንምድሪ ሰዶም ከም ዝቐለላ እነግረኪ ኣለኹ።”
25
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
26
እወ፥ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ።
27
ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።
28
“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ።
29
ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
30
ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”
← Chapter 10
Chapter 12 →