bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 9
Mark 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ቀፂሉውን ኢየሱስ “ኣብዙይ ቆይሞም ካብ ዘለዉ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ ኽትመፅእ እንተላ ኽሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
2
ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸዓ፥ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን፥ ንበይናቶም ወሲዱ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ትርኢቱ ተለወጠ።
3
ክዳኑ ድማ የመና ኣንፀባረቐ፤ ኣብ ምድሪ ሓደ ሓፃባይ ከምኡ ገይሩ ኸፃዕድዎ ኽሳዕ ዘይኽእል ከዓ ፃዕደወ።
4
ሽዑ ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ እናተዘራረቡ እንተለዉ፥ ተርኣይዎም።
5
ጴጥሮስ ከዓ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ።
6
የመና ደንጊፆም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ።
7
ብሩህ ደመና መፂኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ፥ “እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
8
ብድንገት ኣብ ዙርያኦም ቈላሕ እንተ በሉ ኸዓ፥ ኢየሱስ በይኑ እምበር፥ ሓደኳ ምስኣቶም ኣይረአዩን።
9
ካብቲ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ድማ፥ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ክሳዕ ዝትስእ፥ ነቲ ዝረአይዎ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
10
ነቲ ቓል ኣብ ልቦም ሒዞም፥ “ካብ ሞት ምትሳእ ማለት እንታይ ማለት እዩ?” እናበሉ ድማ ንስንሳቶም ተዘራረቡ።
11
ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
12
ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
14
ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መፀ ድማ፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፥ መምህራን ሕጊ እውን ክከራኸርዎም እንተለዉ ረአየ።
15
ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ደንገፁ፤ ናብኡ ጐይዮም ከዓ ኢድ ነስኡሉ።
16
ነቶም መምህራን ሕጊ ድማ “ብዛዕባ እንታይ ትከራኸርዎም ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።
17
ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸዓ “መምህር፥ ንወደይ በሃም ጋኔን ስለ ዝሓዞ፥ ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።
18
ክለዓሎ እንተሎ የውድቖ፤ የዕፍሮ፤ ኣስናኑውን ይሕርቅም፤ ይነቅፅውን፤ ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ጠይቐዮምስ ኣይከኣሉን” በሎ።
19
ንሱ ኸዓ “ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ!” በሎም።
20
ናብኡ ድማ ኣምፅእዎ፤ እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ረአዮ፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ ምድሪ ነፅሖ፤ ኣንፈርፈረ፤ ዓፈረውን።
21
ኢየሱስ ድማ ነቦኡ “ካብ መኣዝ ጀሚሩ እዩ ዝሓዞ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ “ኻብ ንእስነቱ እዩ፤
22
ክቐትሎ ደልዩ ኸዓ፥ ብዙሕ ሻዕ ኣብ ሓዊን ኣብ ማይን የውድቖ፤ ትኽእል እንተ ዄንካ ራህርሀልና፥ ርድአናውን” በሎ።
23
ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።
24
ሽዑ ኣቦ እቲ ቘልዓ፥ “እኣምን እየ፤ ንዘይምእማነይ ርድኣዮ” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ።
25
ኢየሱስ እቶም ሰባት እንትጐዩ ምስ ረአየ፥ ነቲ ርኹስ መንፈስ “ኣታ በሃምን ፀማምን መንፈስ፥ እእዝዘካ ኣለኹ፤ ካብኡ ውፃእ! ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይትእቶ!” እናበለ ገሰፆ።
26
እቲ ርኹስ መንፈስ ገዓረ፤ ነቲ ቘልዓ ድማ ፈርፈር ኣቢልዎ ወፀ። ብዙሓት “ሞይቱ” ክሳዕ ዝብሉ ኸዓ፥ ከም ሬሳ ኾነ።
27
ኢየሱስ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኦ፤ ንሱውን ተስአ።
28
ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ኮይኖም “ስለ ምንታይ ንሕና ምውፅኡ ዝሰኣንና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
29
ንሱ ኸዓ “እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ዓሌት ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።
30
ካብኡ ወፂኦም ብገሊላ ሓለፉ፤ ኢየሱስ ነዝ ነገርዙይ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን።
31
ንደቀ መዛሙርቱውን “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ምስ ተቐትለ ድማ፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትስእ እዩ” ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ እዩ።
32
ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ቃል ኣየስተውዓልዎን፤ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ።
33
ኣብ ቅፍርናሆም በፂሑ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ “ኣብ መንገዲ ትካትዑሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።
34
ንሳቶም ከዓ ኣብ መንገዲ፥ መን ከም ዝዓቢ፥ ንስንሳቶም ይካትዑ ነበሩ እሞ ስቕ በሉ።
35
ኢየሱስ ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ፀዊዑ “እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ትሕቲ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም።
36
ንሓደ ቘልዓ ወሲዱ ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ፤ ሓቝፉ ኸዓ፦
37
“ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቘልዑ፥ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኮነን ዝቕበል” በሎም።
38
ዮሃንስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ሓደ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።
39
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብስመይ ተኣምራት ዝገብር ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ብኣይ ክፉእ ኽዛረብ ዝኽእል የለንሞ ኣይትኸልክልዎ።
40
ኵሉ ዘይቃወመና ምሳና እዩ።
41
ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም፥ ኵሉ ፅዋዕ ማይ ብስመይ ዘስትየኩም፥ ዓስቡ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
42
“ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ንሓደ ዘስሕት፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ ነይሩ።
43
ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ቝረፃ፤ ምስ ክልተ ኢድካ [ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉውን ዘይጠፍእ] ናብ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ቈራፅ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።
45
እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን ቍረፃ፤ ምስ ክልተ እግርኻ ሓሰኻኡ ናብ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ናብ ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።
47
ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኣዒንትኻ ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ይሕሸካ።
49
ኵሉ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፤ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቅር።
50
ጨው ፅቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።”
← Chapter 8
Chapter 10 →