bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 10
Mark 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከደ። መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ከም ልማዱውን መሃሮም።
2
ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኽፍትንዎ መፂኦም “ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽፈትሓ ይግባእ ድዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
3
ኢየሱስ ድማ “ሙሴ እንታይ ኢሉ ኣዘዘኩም?” በሎም።
4
ንሳቶም ከዓ “ሙሴስ መፍትሒኣ ፅሑፍ ፅሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ” በልዎ።
5
ኢየሱስ ከዓ፦ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም እዩ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ዝፀሓፈልኩም።
6
ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፥ እግዚኣብሄር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም።
7
ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ።
8
ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ፤ እምበኣር ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን።
9
እምበኣርከስ ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።
10
ኣብ ገዛ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ደጊሞም ጠየቕዎ።
11
ንሱ ድማ “እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ፥ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ።
12
እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እተእቱውን ትዝሙ” በሎም።
13
ኢዱ ኸንብረሎም ድማ፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅእዎም፤ ደቀ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም።
14
ኢየሱስ ነዙይ ምስ ረአየ ተቘጢዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ህፃናት ናባይ ይምፅኡ ሕደግዎም፤ መንግስቲ እግዚኣብሄር ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም።
15
እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
16
ሓቘፎም፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንቢሩ ድማ ባረኾም።
17
ኢየሱስ ብመንገዲ እናኸደ እንተሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መፂኡ ሰገደሉ። “ኣታ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ድማ ጠየቖ።
18
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ሕያዋይ የለን።
19
ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር!” በሎ።
20
ንሱ ኸዓ “መምህር፥ እዝ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓሊየዮ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
21
ኢየሱስ ከዓ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ “ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ኪድሞ፥ ኵሉ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይውን ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ መስቀልካ ኣልዒልካ ድማ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።
22
ንሱ ግና ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ በዝ ቓል እዙይ ሓዘነ፤ እናጐሃየውን ከደ።
23
ኢየሱስ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ፥ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣትዉ ኽንደይ ከቢድ እዩ!” በሎም።
24
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ በዝ ቓል እዙይ ተገረሙ፤ ኢየሱስ ድማ መሊሱ፦ “ደቀይ! ብሃብቲ ንዝተኣማመኑ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ከመይ ከቢድ እዩ!
25
ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በሎም።
26
ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” ተበሃሃሉ።
27
ኢየሱስ ከዓ ናብኣቶም እናጠመተ፥ “እዙይ ብእግዚኣብሄር እምበር፥ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ እሞ” በሎም።
28
ጴጥሮስ ከዓ “እንሆ እምበኣር ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ” ኽብሎ ጀመረ።
29
ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ ገዛ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ኣሓት፥ ወይ እኖ፥ ወይ ኣቦ፥ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ውሉድ፥ ወይ ገራሁ ዝሓደገ፥
30
ሕዚ ኣብዝ ዓለም እዙይ ምስ ስደት፥ ገዛ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ እኖ፥ ውሉድ፥ ገራሁ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ዘይኽፈል፥ ኣብ ዝመፅእ ዓለም ከዓ፥ ህይወት ዘለኣለም ዘይቕበል ሓደኳ የለን።
31
ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም።”
32
ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ ኣብ መንገዲ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ይቕድሞም ነበረ፤ ንሳቶም ከዓ ተገረሙ። እቶም ዝተኸተልዎውን ፈርሑ። ኢየሱስ ድማ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ወሲዱ፥ እቲ ኽበፅሖ ዘለዎ ኽነግሮም ጀመረ።
33
“እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከትሕዝዎ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ንሞት ክፈርድዎ፥ ንኣህዛብውን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤
34
ንሳቶምውን ከላግፁሉ፥ እንትፍ ክብሉሉ፥ ክገርፍዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም።
35
ያእቆብን ዮሃንስን ክልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣለና” በልዎ።
36
ንሱ ኸዓ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም።
37
ንሳቶም ድማ “ኣብ ክብርኻ ሓዲና ብየማንካ፥ ሓዲና ድማ ብፀጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና” በልዎ።
38
ኢየሱስ ግና “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትዩ፥ እቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ትኽእሉዶ?” በሎም።
39
ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንኽእል” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ነቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትይዎ፥ ነቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቅዎ ኢኹም።
40
ኣብ የማነይን ኣብ ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ኣቦይ ንዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም።
41
እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርት እዙይ ሰሚዖም፥ ብያእቆብን ዮሃንስን ተቘጥዑ።
42
ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፦ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።
43
ኣባኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን።
44
እቲ ኻባኻትኩም ልዕሊ ዅሉ ክኸውን ዝደሊ ኸዓ፥ ንሱ ተኣዛዚኹም ይኹን።
45
ወዲ ሰብ፥ ከገልግልን ህይወቱ ቤዛ ብዙሓት ክህብን እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀንሞ” በሎም።
46
ናብ ኢያሪኮ ድማ ኣተዉ፤ ኢየሱስ ካብ ኢያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ክወፅእ እንተሎ፥ በርጤሜዎስ፥ ንሱውን ወዲ ጤሜዎስ እቲ ዕዉር፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
47
ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ዓው ኢሉ “ኢየሱስ ወዲ ዳዊት! መሓረኒ!” ኽብል ጀመረ።
48
ብዙሓት ድማ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ዓው ኢሉ “ኦ ወዲ ዳዊት፥ መሓረኒ!” በለ።
49
ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ “ፀውዕዎ” በለ። ነቲ ዕውር ፀዊዖም ከዓ “ኣይዞኻ፥ ተስእ! ኢየሱስ ይፅውዐካ ኣሎ” በልዎ።
50
ንሱ ኸዓ ኽዳኑ ደርቢዩ፥ ተሲኡ ናብ ኢየሱስ መፀ።
51
ኢየሱስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ፤ እቲ ዕዉር ከዓ “መምህር፥ ክርኢ” በሎ።
52
ኢየሱስ ከዓ “ኪድ፥ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ፤ ኣብ መንገዲውን ተኸተሎ።
← Chapter 9
Chapter 11 →