bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 8
Mark 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ቕነ እቱይ ብዙሕ ህዝቢ መሊሱ ተኣከበ፤ ዝብላዕ ግና ኣይነበሮምን እሞ፥ ኢየሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦
2
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ገይሮም እዮም፤ ዝብላዕ ከዓ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ።
3
ካብኣቶም ገሊኣቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ብጥሙዮም ነናብ ገዛኦም እንተ ኣፋነኹዎም፥ ኣብ መንገዲ ኽደኽሙ እዮም” በሎም።
4
ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ነዝ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብዝ በረኻ እዙይ እንጀራ ኸፅግብ ዝኽእል መን እዩ?” ኢሎም መለሱሉ።
5
ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ ዝኣክል እንጀራ ኣለኩም?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ።
6
ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሸውዓተ እንጀራ ሒዙ ኣመስጊኑ ቘረሰ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸቕርቡሎም ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።
7
ቁሩብ ዓሳውን ነበሮም፤ ንእኡውን ባሪኹ፥ ከቕርቡሎም ኣዘዘ።
8
በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ከዓ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ።
9
እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ነበሩ። ሽዑ ድማ ክኸዱ ኣፋነዎም።
10
ድሕሪዙይ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ሃገር ደልማኑታ ኸደ።
11
ፈሪሳውያን ናብ ኢየሱስ መፂኦም ክከራኸርዎ ጀመሩ፤ ክፍትንዎውን፥ “ካብ ሰማይ ምልክት ኣርእየና” ኢሎም ጠየቕዎ።
12
ኢየሱስ ድማ ብመንፈሱ እናሓዘነ፥ “እዝ ትውልዲ እዙይ ንምንታይ እዩ ምልክት ዝደሊ ዘሎ? ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ከም ዘይወሃቦ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ።
13
ሓዲግዎም ድማ ናብ ጃልባ ደየበ፤ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ።
14
ደቀ መዛሙርቱ ምሓዝ እንጀራ ስለ ዝረስዑ፥ ኣብ ጃልባ እንትርፊ ሓደ እንጀራ ኻልእ ኣይነበሮምን።
15
ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሄሮድስን ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣዘዞም።
16
ንሳቶም ድማ ንስንሳቶም “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ተበሃሃሉ።
17
ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም፥ ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተረድአኩምን እዩ? ወይ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም? ልብኹምከ ደንዚዙ ድዩ?
18
ዓይኒ እንተለኩም ኣይትሪኡንዶ? እዝኒ እንተለኩምከ ኣይትሰምዑንዶ? ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም?
19
እቲ ሓሙሽተ እንጀራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዓሰርተ ኽልተ” በልዎ።
20
“እቲ ሸውዓተ እንጀራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ።
21
ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም።
22
ናብ ቤተ ሳይዳ ምስ መፁ ድማ፥ ንሓደ ዕዉር ናብኡ ኣምፂኦም ክድህስሶ ለመንዎ።
23
ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ኻብታ ኸተማ መሪሑ ኣውፅኦ፤ ናብ ኣዒንቱ እንትፍ ኢሉውን፥ ኢዱ ኣንበረሉ፤ “ዝኾነ ነገርዶ ትርኢ ኣለኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።
24
ቆላሕ ኢሉ ድማ “ሰባት ከም ኣእዋም እንትመላለሱ እርኢ ኣለኹ” በለ።
25
ኢየሱስ መሊሱ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ፥ ኣፀቢቑ ረአየ፤ ኵሉውን በሪሁ ተርኣዮ።
26
ኢየሱስ ከዓ “ናብ ዓዲ ኣይትእቶ፤ ኣብ ከተማ ድማ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ናብ ገዛኡ ሰደዶ።
27
ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከደ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ሰብ፥ መን እዩ፥ ይብለኒ?” ኢሉ ጠየቖም።
28
ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ካልኦት ድማ ‘ኤልያስ’ ካልኦትውን ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ይብሉኻ” በልዎ።
29
ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
30
ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።
31
ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ ብሽማግለታት ህዝብን፥ ብሊቃነ ካህናትን፥ ብመምህራን ሕግን ክነዓቕን ክቕተልን፥ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እውን ክትስእ ከም ዘለዎ ኽምህሮም ጀመረ።
32
ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦም። ሽዑ ጴጥሮስ ኣግልል ኣቢሉ “እዙይ ኣይኸውንን” በሎ።
33
ኢየሱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ እናጠመተ፥ ንጴጥሮስ፥ “ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኣታ ሰይጣን፥ ካባይ ረሓቕ!” ኢሉ ገሰፆ።
34
ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ክኽተለኒ ዝደሊ፥ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሸኪሙ ኸዓ ይከተለኒ።
35
እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ።
36
ሰብ ብዅሉ ዓለም ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?
37
ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
38
እቲ ኣብዝ ዘማውን ሓጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ፥ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።”
← Chapter 7
Chapter 9 →