bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 7
Mark 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፈሪሳውያንን ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ መምህራን ሕግን ናብኡ ተኣከቡ።
2
ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ እንጀራ እንትበልዑ ረአይዎም።
3
ኵሎም ፈሪሳውያንን ኣይሁድን፥ ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣእዳዎም ኣፀቢቖም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩሞ።
4
ካብ ዕዳጋ እንትምለሱውን ኢዶም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩ፤ ካልእውን ብዙሕ ከም ምሕፃብ መሳተያን ኣቑሑ ገዛን ዓታሩን ዓራታትን ዝመስል ክሕልውዎ ዝወረስዎ ልማድ ነበሮም።
5
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለ ምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ? ስለ ምንታይከ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ እንጀራ ዝበልዑ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
6
ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ግብዛት! ከምቲ ፅሑፍ፦ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ የመና ዝረሓቐ እዩ፤ ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ’ ኢሉ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ፅቡቕ ተነበየ።
8
“ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓዲግኩም፥ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም፤ [ከም ምሕፃብ መሳተያን፥ ካልእ ኣቑሑ ገዛን፥ ካልእ ድማ ነዙይ ዝመስልን ትገብሩ ኣለኹም።]
9
ናይ ባዕልኻትኩም ስርዓት እናሓለኹም፥ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኽትጥሕሱ ግቡእ ድዩ?
10
ሙሴ፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሕማቕ ቃል ዝተዛረበ ብርግፅ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።
11
ንስኻትኩም ግና ኸምዙይ ትብሉ፦ እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ቍርባን እዩ፤’ ማለት፥ መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም፥
12
ደጊም ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሓደ ነገርኳ ኽገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም።
13
ስለዙይ ድማ ነቲ ዝሰራዕኹምዎ ስርዓት ክትብሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ትጥሕሱ ኣለኹም፤ ከምኡውን ነዙይ ዝመስል ብዙሕ ትገብሩ ኣለኹም።”
14
ኢየሱስ መሊሱ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ፦ “ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ኣስተውዕሉውን።
15
ካብ ሰብ ዝወፅእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ከርክሶ ኣይኽእልን እዩ፤
16
ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።
17
ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ፥ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ምስላ እዙይ ጠየቕዎ።
18
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩምውንዶ ክሳዕ ክንድዙይ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ኵሉ ካብ ወፃኢ ናብ ኣፍ ሰብ ዝኣቱ፥ ንሰብ ከም ዘየርክሶ ኣይትፈልጡን ዲኹም?
19
ብኸብዲ ኣቢሉ ንደገ እዩ ዝወፅእ እምበር ናብ ልቢ ኣይኣቱን፤ ንዅሉ መብልዕ እናፃረየ ድማ ናብ ደገ ይወፅእ።”
20
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሰብ ዘርክሶ፥ እቲ ኻብ ሰብ ዝወፅእ እዩ።
21
ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥
22
ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ።
23
እዝ ዅሉ ኽፍኣት ካብ ውሽጢ እዩ ዝወፅእ፤ ንሰብ ከዓ የርክሶ።”
24
ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኽሕባእ ኣይከኣለን።
25
ሽዑ ኸዓ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝሓደራ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መፀት፤ ኣብ እግሩ ተደፊኣውን ሰገደትሉ።
26
እታ ሰበይቲ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወለደት ግሪካዊት ነበረት። ካብ ጓላ ጋኔን ከውፅአላ ድማ ለመነቶ።
27
ኢየሱስ ድማ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ሕደጊ፤ ቅድም እቶም ውሉድ ይፅገቡ” በላ።
28
ንሳ ድማ “እወ፥ ጐይታይ! ኣኽላባትውን እንተ ኾኑ፥ ኣብ ትሕቲ ማእዲ ኾይኖም፥ ዝወደቐ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ።
29
ንሱ ድማ “እዝ ቓል እዙይ ብምባልኪ፥ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወፂኡ እዩ እሞ ኺዲ” በላ።
30
ናብ ገዛኣ ምስ ተመለሰት ድማ፥ እቲ ጋኔን ወፂኡ፥ እታ ጓላውን ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ረኸበታ።
31
መሊሱ ኻብ ሃገር ጢሮስ ወፂኡ፥ ብሲዶና ገይሩ ብማእኸል ዓሰርተ ከተማታት ዝበሃል ዓዲ፥ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ።
32
ሓደ ፀማምን በሃምን ናብኡ ኣምፂኦም ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ።
33
ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ፥ ኣፃብዕቱ ኣብ ኣእዛኑ ኣንበረ፤ እንትፍ ኢሉውን ንመልሓሱ ነኽኦ።
34
ናብ ሰማይ ቈላሕ ኢሉ፥ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸዓ “ኤፍታሕ!” በለ፤ ንሱውን “ተኸፈት” ማለት እዩ።
35
ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፈታ፤ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፤ ኣፅርዩውን ተዛረበ።
36
ንሓደኳ ኸይነግሩ ብፅኑዕ ኣጠንቀቖም፤ እቶም ህዝቢ ግና ብመጠን እቲ ዘጠንቀቖም ኣብዚሖም ኣውረዩ።
37
ንሳቶም ከዓ “ኵሉ ዝገበሮ ሰናይ እዩ፤ ንፀማማት ክሰምዑ፥ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም” እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ።
← Chapter 6
Chapter 8 →