bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 6
Mark 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ዓዱ ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሰዓብዎ።
2
ብሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክምህር ጀመረ፤ ብዙሓት ምስ ሰምዕዎ ድማ “እዝ ዅሉ ኻበይ ረኸቦ? እዝ ጥበብ እዙይከ ኻበይ ተውሃቦ? እዝ ብኢዱ ዝግበር ዘሎ ተኣምራትከ ኻበይ ኮነሉ?” እናበሉ ተገረሙ።
3
“እዙይስ እቲ ፀራቢ ወዲ ማርያምዶ ኣይኮነን? ሓው ያእቆብን ዮሳን ይሁዳን ስምኦንንዶ ኣይኮነን? ኣሓቱስ ኣብዙይ ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን?” እናበሉ ብእኡ ተዓንቀፉ።
4
ኢየሱስ ከዓ “ነቢይ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ” በሎም።
5
ብዘይ እቶም ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም ውሑዳት ሕሙማት ኣብኡ ተኣምራት ኣይገበረን።
6
በቲ ዘይምእማኖም ድማ ተገረመ፤ እናመሃረ ኸዓ ኣብተን ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ተዘዋወረ።
7
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ናብኡ ፀዊዑ፥ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፤ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ስልጣን ሃቦም።
8
ንመንገዲ ዝኸውን እንትርፊ በትሪ፥ ስንቂ፥ እንጀራ፥ ወይ ከረጢት፥ ኣብ ቅናውቶም ድማ ገንዘብ ከይሕዙ፥
9
እንትርፊ ኣብ እግሮም ዘሎ ሳእኒ፥ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ከይሕዙ ኣዘዞም።
10
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ካብኡ ኽሳዕ እትወፁ፥ ኣብቲ ዝኣተኹምዎ ገዛ ተቐመጡ።
11
ኣብቲ ዘይተቐበሉኹምን ዘይሰምዑኹምን ዓዲ፥ ካብኡ ወፂእኹም ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ዓዲ እቲኣስ፥ ንሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
12
ንሳቶም ድማ ናብ ዓድታት ወፂኦም ኵሉ ኽንሳሕ ሰበኹ።
13
ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅኡ፤ ንብዙሓት ሕሙማት ድማ፥ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።
14
ስሙ ተጋሂዱ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ሄሮድስ ሰምዐ። “መጥምቕ ዮሃንስ ካብ ምውታን ተሲኡ እዩ፤ ስለዙይ ከምዙይ ዝበለ ተኣምራት ብእኡ ይግበር ኣሎ” በለ።
15
ካልኦት ግና “ኤልያስ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ነቢይ እዩ፤ ወይ ድማ ሓደ ኻብቶም ነቢያት እዩ” በሉ።
16
ሄሮድስ ግና ነዙይ ምስ ሰምዐ “እዙይ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ እዩ” በለ።
17
ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፥ ብሰንካ ሓሻኽሩ ልኢኹ፥ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።
18
ምኽንያቱውን ዮሃንስ ንሄሮድስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን” ይብሎ ስለ ዝነበረ እዩ።
19
ሄሮድያዳ በዙይ ተቐዪማ ኽተቕትሎ ትደሊ ነበረት፤ እንተ ኾነ ኣይከኣለትን።
20
ዮሃንስ፥ ቅዱስን ፃድቕን ሰብ ከም ዝኾነ ንጉስ ሄሮድስ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ ይፈርሖን ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሃንስ እንትሰምዕ የመና ይጭነቕ ነበረ፤ ይኹን እምበር እናተሓጐሰ ይሰምዖ ነበረ።
21
ሄሮድስ ዝተወለደላ መዓልቲ ከኽብር፥ ንመሳፍንቲ፥ ንመኳንንቲ፥ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ፥ ምሳሕ ምስ ገበረ፥ ሽዑ ምችዊ መዓልቲ ኾነ።
22
ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፤ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ከዓ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስውን ነታ ጓል “ዝደለኽዮ ጠይቕኒ ኽህበኪ እየ፤
23
ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ኾነውን፥ ዝጠየቕክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ መሓለላ።
24
እታ ጓል ድማ ወፂኣ ንኖኣ “እንታይ ክጥይቖ?” በለታ። ንሳ ኸዓ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ” በለታ።
25
ሽዑ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ሕዚ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።
26
እቲ ንጉስ ድማ የመና ሓዘነ፤ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩን ግና፥ ክኣብያ ኣይደለየን።
27
ሽዑ እቲ ንጉስ ሓደ ወታደር ልኢኹ፥ ርእሲ ዮሃንስ ከምፅእ ኣዘዘ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሲ ዮሃንስ ሰየፈ።
28
ነቲ ዝተቘረፀ ርእሱ ድማ፥ ኣብ ፃሕሊ ገይሩ ነታ ጓል ሃባ፤ እታ ጓል ድማ ንኖኣ ሃበታ።
29
ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ነቲ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ።
30
ሃዋርያት ድማ ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም፥ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ ነገርዎ።
31
እቶም ዝመፁን ዝኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፥ ንምብላዕውን ጊዜ ስለ ዘይረኸቡ፥ ኢየሱስ “ንበይንኻትኩም ቁሩብ ክተዕርፉ ንዑናይ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ንውፃእ” በሎም።
32
ንሳቶም ከዓ ንበይናቶም ብጃልባ ተሳጊሮም ናብ ፅምዊ ቦታ ኸዱ።
33
ክኸዱ እንተለዉ ብዙሓት ህዝቢ ረአይዎምን ኣለለይዎምን። ካብ ኵለን ከተማታት ብእግሪ ናብኡ ጐየዩሞ፥ ቀዲሞምዎም ኣብኡ በፅሑ።
34
ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ራህርሀሎም፤ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ።
35
እዋን ምስ ሓለፈ ኸዓ፥ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን የመና መስዩ እዩ።
36
ዝብላዕ ምግቢ የብሎምን እሞ፥ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ቍሸታትን ዓድታትን ከይዶም ዝበልዕዎ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።
37
ንሱ ግና “ዝበልዕዎ ንስኻትኩም ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኬድና ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ዓዲግናዶ ኽበልዑ ኽንህቦም?” በልዎ።
38
ኢየሱስ ድማ “ክንደይ እንጀራ ኸም ዘለኩም ኪዱ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ምስ ረአዩ “ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን” ኣሎ በልዎ።
39
ንዅሎም ድማ በብመስርዖም እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኸቐምጥዎም ኣዘዞም።
40
እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ።
41
ኢየሱስ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ እናጠመተ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ከቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ከምኡውን እቲ ኽልተ ዓሳ ንዅሎም ኣከፋፈሎም።
42
ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ።
43
ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ዓሰርተ ኽልተ ቝርስራስ ዝመልአ መሶብ ኣልዓሉ፤ ካብቲ ዓሳውን ኸምኡ።
44
እቶም እንጀራ ዝበልዑ ኸዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።
45
ሽዑ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብት ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ቤተ ሳይዳ ክቕድምዎ ኣዘዞም።
46
ምስ ኣሰናበቶም ካብኡ ሓሊፉ ኽፅሊ ናብ እምባ ደየበ።
47
እዋኑ ምስ መሰየ እታ ጃልባ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ነበረት። ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ።
48
ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፥ እናቐዘፉ እንተለዉ ኽጭነቑ ረአዮም። ከባቢ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እናኸደ ናብኣቶም በፅሐ፤ ክሓልፎምውን ደለየ።
49
ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ ምትሃት መሲልዎም ኣእወዩ።
50
ኵሎም ምስ ረአይዎ ደንገፁ። ኢየሱስ ግና “ኣይዞኹም! ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ!” በሎም።
51
ናብታ ንሳቶም ዝነበርዋ ጃልባ ኸዓ ደየበ፤ እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ፤ ንሳቶምውን የመና ተገረሙን ተደነቑን።
52
ልቦም ተደፊኑ ስለ ዝነበረ ነቲ ናይ እንጀራ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን።
53
ነቲ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መፂኦም ነታ ጃልባ ኣብ ወሰን ኣፀጊዖም ኣቖምዋ።
54
ካብ ጃልባ ምስ ወፁ እቶም ህዝቢ ሽዑ ንሽዑ ኣለለይዎ።
55
ኣብ ኵላ እታ ሃገር እናጐየዩ፥ ኢየሱስ ኣሎ ተብሂሉ፥ ናብ ዝሰምዑሉ ቦታ ሕሙማት ብዓራታት እናፆሩ ናብኡ ኸምፅኡ ጀመሩ።
56
ኣብ ኵሉ ዝኣተዎ፥ ዓድታት፥ ከተማታት፥ ቍሸታት፥ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት የቐምጥዎም እሞ፥ ዘፈር ክዳኑ ጥራሕ ክነኽኡ ይልምንዎ ነበሩ፤ ኵሎም እቶም ዝነኽእዎውን ይሓውዩ ነበሩ።
← Chapter 5
Chapter 7 →