bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 15
Mark 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምስ ወግሐ፥ ሽዑ ሊቃነ ካህናት ምስ ሽማግለታትን መምህራን ሕግን፥ ብምሉኡ እቲ መጋባእያን ምኽሪ መኸሩ፤ ንኢየሱስ ድማ ኣሲሮም ወሰድዎ፤ ኣሕሊፎም ከዓ ንጲላጦስ ሃብዎ።
2
ጲላጦስ ድማ ንኢየሱስ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።
3
እቶም ሊቃነ ካህናት ድማ፥ ብብዙሕ ነገር ከሰስዎ፤ ንሱ ግና ኣይመለሰን።
4
ጲላጦስ ከዓ “እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል እንትኸሱኻ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ መሊሱ ጠየቖ።
5
ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
6
እንሆ ኸዓ በብበዓል፥ ንሳቶም ዝለመንዎ፥ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሐሎም ነበረ።
7
ምስቶም ሁከት ዝገበሩን፥ ነፍሲ ዝቐተሉን፥ በርባን ዝበሃል ሰብኣይ ተኣሲሩ ነበረ።
8
እቶም ህዝቢ ድማ ደዪቦም፥ ከምታ ልማዶም ክገብረሎም ለመኑ።
9
ጲላጦስ መሊሱ፥ እቶም ሊቃነ ካህናት፥ ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” ኢሉ ጠየቖም።
11
እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ንበርባን ምእንቲ ኽፈትሐሎም ክልምኑ፥ ነቶም ህዝቢ ኣለዓዓልዎም።
12
ጲላጦስ ደጊሙ “ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ዝበሃል ደኣ፥ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም።
13
ንሳቶም ከዓ፥ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
14
“እንታይ ክፉእኸ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና የመና ዓው ኢሎም “ስቐሎ!” በሉ።
15
ጲላጦስ ከዓ ነቶም ህዝቢ ኸሐጕሶም ደልዩ፥ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽሰቕልዎ ሃቦም።
16
እቶም ወታደራት ድማ ናብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ኣእተውዎ፤ ንዅሉ እቲ ሰራዊት ድማ ኣከብዎ።
17
ቀይሕ ኽዳን ከደንዎ፤ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ከዓ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ።
18
“ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ!” እናበሉ ኢድ ነሲኦም ሓጨጩሉ።
19
ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፤ እንትፍ ከዓ በሉሉ፤ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ።
20
ምስ ኣባጨዉሉ፥ ነቲ ቐይሕ ኽዳን ቐንጢጦም፥ ክዳኑ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።
21
ኣቦ እስክንድሮስን ሮፎስን ንዝኾነ፥ ሓላፊ መንገዲ ስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ እንተሎ፥ ናይ ኢየሱስ መስቀል ክፀውር ኣገደድዎ።
22
ንኢየሱስ ናብ ጎልጎታ፥ ትርጉሙ ኸዓ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ቦታ ወሰድዎ።
23
ምስ ከርበ ዝተሓወሰ ወይኒ ድማ፥ ክሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ግና ምስታይ ኣበየ።
24
ሽዑ ሰቐልዎ፤ በብፅሒቶም ምእንቲ ኽፈልጡ ኸዓ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
25
ክሰቕልዎ እንተለዉ ኸዓ፥ ሰለስተ ሰዓት ነበረ።
26
ናይ መኽሰሲኡ ፅሑፍውን “ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ኣብ ልዕሊ ርእሱ ተፅሒፉ ነበረ።
27
ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ።
28
እቲ “ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ” ዝብል ፅሑፍውን ተፈፀመ።
29
እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ድማ፥ ርእሶም እናነቕነቑ፥ “ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርስ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እውን እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን፤ ካብ መስቀልውን ውረድ!” እናበሉ ይፀርፍዎ ነበሩ።
31
ከምኡ ኸዓ፥ ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕጊ ኾይኖም “ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይከኣለን።
32
ንሱ መሲሕ፥ ንጉስ እስራኤል እንተ ኾይኑ፥ ርኢና ብእኡ ኽንኣምንስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀሉ ይውረድ” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ፤ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉውን ይፀርፍዎ ነበሩ።
33
ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኣብ ኵሉ ምድሪ ፀልማት ኮነ።
34
ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኮነ ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። ትርጕሙ ድማ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።
35
ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ገሊኣቶም “እንሆ፥ ንኤልያስ ይፅውዕ ኣሎ” በሉ።
36
ሓደ ግና ጐይዩ፥ ሰፍነግ ኣብ መፂፅ ኣሊኹ፥ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ፥ “እስኪ ሕደጉ፤ ኤልያስ መፂኡ እንተ ኣውረዶ ኽንርኢ ኢና” እናበለ ኣስተዮ።
37
ኢየሱስ ከዓ ብዓብዪ ድምፂ ገዓረ፤ ነፍሱውን ሃበ።
38
መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ።
39
እቲ ኣብ መንፅሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ነፍሱ ብኸምዙይ ካብ ስጋኡ ኸም ዝተፈለየት ምስ ረአየ “እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ ነይሩ” በለ።
40
እንሆ ኸዓ ኣንስቲ ኣብ ርሑቕ ኮይነን የማዓድዋ ነበራ፤ ካብኣተን ከዓ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ንኡስ ያእቆብን ዮሳን፥ ሰሎሜን ነበራ።
41
ንሳተን ኣብ ገሊላ እንተሎ ጀሚረን ዝተኸተላኦን ዘገልገላኦን እየን፤ መብዛሕተን እተን ካልኦት ግና፥ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ።
42
ምሸት ዓርቢ ድሮ ሰንበት መዓልቲ ምድላው ነበረ።
43
እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበ፥ ፈላጥን ክቡርን ናይ ኣይሁድ ኣማኻሪ፥ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ መፀ፤ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩውን ስጋ ኢየሱስ ክወሃቦ ለመነ።
44
ጲላጦስ ድማ፥ ቀልጢፉ ብሙማቱ ተደነቐ፤ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ፀዊዑ ኸዓ “ብርግፅዶ ሞይቱ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
45
ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ከም ዝሞተ ምሰረጋገፀ፥ ስጋ ኢየሱስ ንዮሴፍ ክወሃብ ፈቐደ።
46
ንሱ ድማ ሓድሽ ፃዕዳ ሃሪ ዓደገ፤ ኣውሪዱ ኸዓ በቲ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ኰዅሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብርውን ቀበሮ፤ ነቲ ኣፍ መቓብር ከዓ፥ እምኒ እናገላበጠ ወሲዱ ዓፀዎ።
47
ማርያም መግደላዊትን፥ ማርያም እኖ ዮሳን ድማ፥ ኣበይ ከም ዝቐበርዎ ይሪኣ ነበራ።
← Chapter 14
Chapter 16 →