bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 16
Mark 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰንበት ምስ ሓለፈት፥ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ያእቆብን፥ ሰሎሜን ስጋ ኢየሱስ ኽቐብኣ ምዑዝ ሽቱ ዓደጋ።
2
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ንጉሆ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ፥ ናብቲ መቓብር ገስገሳ።
3
ንስንሳተን ከዓ “ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ከልዕለልና እዩ?” ተበሃሃላ፤ እቲ እምኒ የመና ገዚፍ ነበረ እሞ።
4
ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ፥ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረአያኦ።
5
ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ፥ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ፥ ብወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ።
6
ንሱ ግና “ኣይትደንግፃ፤ ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ።
7
ስለዙይ ኪዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፥ ‘ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ከምቲ ዝበለኩም ከዓ፥ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን።
8
[ፍርሓትን ራዕድን] ምድናቕን ሒዝወን ነበረ እሞ፥ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ኸዓ፥ ንሓደኳ ኣይነገራን።
9
[በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ንግሆ ኻብ ምውታን ምስ ተስአ፥ ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውፅአላ ማርያም መግደላዊት ኣቐዲሙ ተርኣያ።
10
ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፥ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም።
11
ንሳቶም ግና ንሱ ህያው ከም ዝኾነን፥ ንኣኣውን ከም ዝተርኣያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን።
12
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንኽልተ ኻብኣቶም ካብቲ ኸተማ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ዓዲ እናኸዱ እንተለዉ ኣብ መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ተርኣዮም።
13
ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብፆቶም ነገርዎም፤ እንተ ኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን።
14
ብድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርት፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ተርኣዮም፤ ነቶም ምስ ተስአ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን ነበሩ እሞ፥ ብዘይ ምእማኖምን ብትረት ልቦምን ገሰፆም።
15
ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።
16
እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።
17
ነቶም ዝኣምኑ፥ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ፥ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ፥
18
ኣትማን ክሕዙ፥ ዝቐትል መርዚ እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተ ኣንበሩ፥ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።”
19
ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ።
20
ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ወፂኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሰርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የፅንዖ ነበረ። ኣሜን።]
← Chapter 15