bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 14
Mark 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፋሲካን በዓል ቅጫን ክኸውን ክልተ መዓልቲ ተሪፍዎ ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።
2
እንተ ኾነ “ኣብ ህዝቢ ሁከት ከይለዓልስ ብበዓል ኣይኹን” በሉ።
3
ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ እንዳ ስምኦን እቲ ለምፃም፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰናደወ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ መፀት፤ ነቲ ብልቃጥ ሰይራ ድማ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።
4
ገሊኣቶም ኰሪዮም “እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጥፍኣት ምዑዝ ሽቱ ንምንታይ እዩ?
5
እዝ ሽቱ እዙይ፥ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንላዕሊ ተሸይጡ፥ ንድኻታትዶ ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ” በሉ። ንኣኣውን ነቐፍዋ።
6
ኢየሱስ ግና “ነዛ ሰበይቲ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? ሕደግዋ፤ ሰናይ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ።
7
ድኻታትስ ዅልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰናይ ግብሪ ኽትገብሩሎም እንተ ደሊኹም ትኽእሉ ኢኹም። ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።
8
እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት።
9
እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝተሰብኮ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
10
ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ፥ ሓደ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ።
11
ንሳቶም ድማ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎውን ተሰማምዑ፤ ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
12
በታ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፥ ደቀ መዛሙርቱ “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።
13
ኢየሱስ ድማ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ “ናብ ከተማ ኺዱ፤ ኣብኡ ዕትሮ ማይ ዝተሸከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ንእኡ ሰዓብዎ።
14
ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ኺዱሞ፥ ነቲ በዓል ገዛ ‘መምህር፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዐላ መዕረፊ ጋሻ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ።
15
ንሱ ኸዓ ኣብ ደብሪ ዝተነፀፈን ዝተዳለወን ዓብዪ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ፤ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም።
16
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብታ ኸተማ ኸይዶም፥ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ ኣብኡውን ድራር ፋሲካ ኣሰናደዉ።
17
ምስ መሰየ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ መፀ።
18
ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ሓደ ኻባኻትኩም፥ እቲ ምሳይ ዝበልዕ ዘሎ፥ ከም ዘትሕዘኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
19
ንሳቶም ከዓ ኽሓዝኑ ጀመሩ፤ በብሓደውን “ኣነ ደኾን እኸውን?” በሉ።
20
ኢየሱስ ከዓ “ሓደ ኻብ ዓሰርተ ኽልቴኹም እቲ ምሳይ ኣብ ፃሕሊ ዝፀብሕ እዩ።
21
ወዲ ሰብስ፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ እቲ ንወዲ ሰብ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይስ፥ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በሎም።
22
እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዒሉ ባረኸ፤ ቈሪሱ ኸዓ “እንኩ፥ እዙይ ስጋይ እዩ” ኢሉ ሃቦም።
23
ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ሃቦም፤ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ።
24
ንሱ ኸዓ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ፥ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።
25
ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ደጊመ ኸም ዘይሰቲ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
26
መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።
27
ኢየሱስ ድማ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ፥ ክብተና እየን’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።
28
ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም።
29
ጴጥሮስ ድማ “ኵሎም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ።
30
ኢየሱስ ከዓ “ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ደርሆ ኽልተ ሻዕ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
31
ጴጥሮስ ሽዑ “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ፈፂመ ኣይክሕደካን እየ” እናበለ የመና ኣትሪሩ ተዛረበ፤ ኵሎምውን ከምኡ በሉ።
32
ጌቴሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታውን መፁ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ኣብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም።
33
ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ተማሊኡ ኸዓ፥ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ።
34
“ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ሓዚና ኣላ፤ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ትግሁውን”
35
ቁሩብ ንቕድሚት ፈንተት ኢሉ ድማ፥ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ፀለየ።
36
“ኣባ፥ ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን” በለ።
37
ተመሊሱ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም፤ ንጴጥሮስ ድማ “ስምኦን፥ ደቂስካዶ? ሓንቲ ሰዓት እኳ ኽትነቅሕዶ ኣይከኣልካን?
38
ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተጊህኹም ፀልዩ፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ እሞ” በሎ።
39
ከምኡውን ከይዱ ኸምቲ ቕድም ዝፀለዮ ፀለየ።
40
ካልኣይ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ነበራ እሞ፥ ደቂሶም ረኸቦም፤ እንታይ ከም ዝምልሱሉ ድማ ኣይፈልጡን ነበሩ።
41
ንሳልሳይ ጊዜ መፂኡ ኸዓ፦ “ደጊም ደቅሱ ዕረፉ፤ ይኣክል! እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ እንሆ፥ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም።
42
ተልዓሉ፤ ንኺድ! እንሆ እቲ ዘትሕዘኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም።
43
ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ፥ ይሁዳ መፀ። ምስኡውን ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ነበሩ።
44
እቲ ዘትሕዞ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ፤ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣቐዲሙ ምልክት ሂብዎም ነበረ።
45
ሽዑ ይሁዳ መፂኡ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር” ኢሉ ሰዓሞ።
46
ንሳቶም ከዓ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ።
47
ካብቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓደ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ሰይፉ መዚዙ ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ።
48
ኢየሱስ ድማ “ከም ከታሪዶ በስይፍትን በብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም?
49
ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም እውዕል ነይረ፥ ኣይሓዝኩምንን። እዙይ ዝኾነ ግና፥ እቲ ኣብ መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
50
ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።
51
ሓደ ዕርቃኑ ብነፀላ ዝሸፈነ መንእሰይ ድማ ይስዕቦ ነበረ፤ እቶም ኣጓብዝ ኸዓ ሓዝዎ።
52
ንሱ ድማ ነፀላኡ ሓዲጉሎም ጥራሕ ዝባኑ ሃደመ።
53
ንኢየሱስ ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ድማ፥ ብሙሉኦም ናብኡ ተኣከቡ።
54
ጴጥሮስ ድማ ኽሳዕ ውሽጢ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦ፤ ኣብኡ ምስቶም ሓሻኽር ተቐሚጡውን፥ ሓዊ ይስሕን ነበረ።
55
ሊቃነ ካህናትን ኵሉ እቲ መጋባእያን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ይደልዩ ነበሩ፤ ግና ኣይረኸቡን።
56
ብዙሓት ብሓሰት መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን።
57
ገሊኣቶም ሰባት ተሲኦም “ ‘ኣነ ነዝ ብኢድ ሰብ ዝተሃንፀ ቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ካልእ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፅ እየ’ እንትብል ንሕና ሰሚዕናዮ” እናበሉ ብሓሰት መስከሩ።
59
በዙይውን ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን።
60
እቲ ሊቀ ካህናት ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “በዝ ዝምስክርዎ ዘለዉስ እትምልሶዶ የብልካን ኢኻ?” ኢሉ ንኢየሱስ ጠየቖ።
61
ንሱ ግና መልሲ እንተይሃበ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ቡሩኽ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
62
“ኢየሱስ ድማ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ከዓ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽትሪእዎ ኢኹም” በሎ።
63
እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኽዳኑ ቐዲዱ “ደጊምከ እንታይ መሰኻኽር የድልየና?
64
ፀርፉ ባዕልኻትኩም ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም፤ እንታይ ትብሉ?” በለ። ኵሎም ከዓ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈረዱ።
65
ገሊኣቶም ድማ እንትፍ ክብሉሉን፥ ገፁ ጐልቢቦም እናወቕዑ “ተነበየልና! መን እዩ ዝፀፍዐካ!” ክብልዎን ጀመሩ፤ እቶም ሓሻኽርውን እናፀፍዑ ወሰድዎ።
66
ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ውሽጢ ቕፅሪ እንተሎ፥ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ካህናት መፀት።
67
ጴጥሮስ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ ምስ ረአየቶ፥ ኣተኲራ እናጠመተት፥ “ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ናይ ናዝሬት ኔርካ ኢኻ” በለቶ።
68
ንሱ ግና “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን፤ ኣየስተውዕሎንውን” ኢሉ ኸሓደ፤ ካብ ቅፅሪ ናብ ኣፍ ደገ ድማ ወፀ፤ ደርሆውን ነቀወ።
69
እታ ገረድ ድማ ረአየቶ፤ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ “እዙይውን ካብኣቶም እዩ” በለቶም።
70
ንሱ ግና ደጊሙ ኸሓደ፤ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ገሊላዊውን ኢኻ፤ ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ።
71
ንሱ ግና “ነዝ እትብልዎ ዘለኹም ሰብ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ።
72
ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ደርሆ ንኻልኣይ ጊዜ ነቀወ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ ኽልተ ጊዜ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘኪሩ፥ ኣምሪሩ በኸየ።
← Chapter 13
Chapter 15 →