bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 13
Mark 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ክወፅእ እንተሎ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ህንፃኡን እምኑን ክንደይ ከም ዘደንቕ ረአ” በሎ።
2
ኢየሱስ ከዓ “ነዝ ዓብዪ ህንፃዶ ትሪኦ ኣለኻ? እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይተረፈ ዅሉ ኽፈርስ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
3
ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይት፥ ኣብ መንፅር ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን፥ ንበይናቶም ቅርብ ኢሎም፦
4
“እዝ ነገራት እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዝ ዅሉ መኣዝ ኸም ዝፍፀምከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
5
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ሓደኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ፤
6
ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓት ከዓ ኸስሕቱ እዮም።
7
ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ።
8
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።”
9
“ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶምውን ክገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከዓ፥ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
10
ኣቐዲሙ ግና ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ።
11
ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር።
12
ሓው ንሓዉ፥ ወላዲ ንውሉዱ፥ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ተሲኦም ክቐትልዎም እዮም።
13
ምእንቲ ስመይ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።”
14
እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተብሃለ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፤ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባታት ይህደሙ፤
15
እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸዓ፥ ናብ ገዛ ኣይውረድ፤ ዝኾነ ኽማላእ ኢሉውን ናብ ገዛ ኣይእቶ።
16
እቲ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸዓ፥ ክዳኑ ኽማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ።
17
በታ እዋን እቲኣ ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን!
18
ህድማኹም ብኽረምቲ ኸይኸውን ፀልዩ።
19
ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ።
20
ነተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕፅረንስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፥ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ክሓፅራ እየን።
21
“ሽዑ ሓደኳ ‘ክርስቶስ ኣብዙይ እኒሆ’ ወይ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ።
22
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም።
23
ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ! እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ።”
24
“እንተ ኾነ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ድሕሪ እዝ መከራ እዙይ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ።
25
ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም።
26
ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ብብዙሕ ሓይልን ክብርን ብደመና ኽመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።
27
ሽዑ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ሕሩያቱ፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክብዎም እዮም።”
28
“ናይዙይ ምስላ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቘፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
29
ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ፥ እዝ ነገራት እዙይ ክኸውን እንተሎ ምስ ረአኹም፥ ምፅኣት ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝበፅሐ ፍለጡ።
30
እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
31
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
32
“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን።
33
ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን።
34
ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ።
35
እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’።
37
እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
← Chapter 12
Chapter 14 →