bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 12
Mark 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ብምስላ ኽነግሮም ጀመረ፤ “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ።
2
ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኸምፅአሉ፥ ናብቶም ሓረስቶት ኣገልጋሊኡ ለኣኸ።
3
ንሳቶም ግና ሒዞም ገረፍዎ፤ ጥራሕ ኢዱውን ሰደድዎ።
4
መሊሱ ኻልእ ኣገልጋሊኡ ናብኣቶም ለኣኸ፤ ንእኡውን ብእምኒ ቐጥቂጦም ኣቝሲሎም፥ ኣዋሪዶም ሰደድዎ።
5
ከምኡውን ሳልሳይ ካልእ ኣገልጋሊ ለኣኸ፤ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከዓ ለኣኸ፤ ንገሊኣቶም ገረፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ ቐተልዎም።
6
ይኹን እምበር ሓደ ዝፈትዎ ወዲ ነበሮ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ ናብኣቶም ለኣኾ።
7
እቶም ሓረስቶት ግና፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎ እሞ፥ እቲ ርስቱ ንኣና ክኸውን’ ተበሃሃሉ።
8
ሒዞም ድማ ቐተልዎ፤ ካብቲ ኣታክልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ናብ ወፃኢ ደርበይዎ።
9
እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ፥ እንታይ ኮን ክገብር እዩ? መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸዓ፥ ንኻልኦት ይህቦ።
10
‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ’ ዝብል ፅሑፍዶ ኣየንበብኩምን?” በሎም።
12
መራሕቲ ኣይሁድ ግና፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፥ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ነቶም ህዝቢ ፈሪሖም ግና፥ ሓዲጎምዎ ኸዱ።
13
ብዘረባኡ ኸጋግይዎ ኢሎም ከዓ፥ ካብ ፈሪሳውያንን ሰባት ሄሮድስ ካብ ዝኾኑን ናብኡ ለኣኹ።
14
ናብኡ መፂኦም ድማ “መምህር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾንካ ንሓደኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉ፥ መንገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምኽፋል ይግባእ ድዩ? ወይ ኣይግባእን? ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል?” በልዎ።
15
ኢየሱስ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፥ “ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ ነቲ ዲናር ክሪኦ ኣምፅኡለይ” በሎም።
16
ንሳቶም ድማ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ናይ ቄሳር” በልዎ።
17
ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ከዓ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ።
18
ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከዓ ናብኡ መፁ፤
19
“መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ እንተይወለደ ሰበይቱ ሓዲጉ እንተ ሞተ፥ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ፅሒፉልና ኣሎ።
20
ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፤ ውሉድ እንተይሓደገ ሞተ።
21
እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፤ ውሉድ እንተይሓደገውን ሞተ፤ እቲ ሳልሳይውን ከምኡ።
22
ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ውሉድ ኣይሓደጉን፤ ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።
23
ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብትንሳኤ ምዉታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ።
24
ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “መፃሕፍትን ሓይሊ እግዚኣብሄርን ብዘይ ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘለኹም?
25
ምዉታን ምስ ተስኡስ፥ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም ዝኾኑ እምበር፥ ኣየውስቡን፤ ኣይዋሰቡን እዮም።
26
ምዉታን ከም ዝትስኡስ፥ ንሙሴውን እግዚኣብሄር ኣብቲ ቘጥቋጥ፥ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ኸም ዝበሎ ኣየንበብኩምንዶ?
27
እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን፤ ንስኻትኩም ግና ብዙሕ ትጋገዩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም።
28
ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ፥ ከም ዝተኸራኸርዎሞ፥ ፅቡቕ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዑ፥ ናብኡ ቐረበ። “ካብ ኵለን ትእዛዛት ዝዓበየት ኣየነይቲ እያ?” ኢሉ ጠየቖ።
29
ኢየሱስ ከዓ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ‘ኦ እስራኤል፥ ስማዕ! እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።
30
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’
31
እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ።
32
እቲ መምህር ሕጊ ኸዓ “መምህር፥ ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ብሓቂ እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ድማ ኻልእ የለን።
33
‘ብምሉእ ልብኻን፥ [ብምሉእ ነፍስኻን] ብምሉእ ኣእምሮኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር፤ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ምፍቃር’ እዙይ ካብ ኵሉ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ካብ ኵሉ ኻልእ መስዋእትን ይበልፅ እዩ” በሎ።
34
ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ርሑቕ ኣይኮንካን” በሎ። ብድሕሪኡ ሓደኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።
35
ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃሮም እንተሎ “መምህራን ሕጊ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ?
36
ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ፤ ይብል።
37
ዳዊት ባዕሉ ‘ጐይታ’ ኻብ በሎ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን?” በለ። እቶም ብዙሓት ሰባት ድማ፥ ብታሕጓስ ይሰምዕዎ ነበሩ።
38
እናመሃሮም እንተሎ ኸዓ “ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዝዞሩን፥ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ፥ ኢድ ክነስኡሎም ዝደልዩ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፥ ኣብ ማእዲ ዝኸበረ ስፍራ ኻብ ዝደልዩ፥ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ!
40
ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ከምስሉ ድማ ኣንዊሖም ዝፅልዩ እዮም እሞ፤ እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽቕበሉ እዮም” በሎም።
41
ኢየሱስ ኣብ መንፅር ሙዳየ ምፅዋት፥ ተቐሚጡ፥ እቶም ሰባት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘእትዉ ይርኢ ነበረ። ብዙሓት ሃብታማት ከዓ ብዙሕ የእትዉ ነበሩ።
42
ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ፥ መፂኣ ኽልተ ሳንቲም ዝኣክል ቆድራንቴን ኣእተወት።
43
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀዊዑ “ካብዞም ናብዝ ሙዳየ ምፅዋት ዘእተዉ ዅሎም፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ዝበዝሕ ከም ዘእተወት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
44
ኵሎም እዚኣቶም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት” በሎም።
← Chapter 11
Chapter 13 →