bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Mark 11
Mark 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናብ ኢየሩሳሌም ንምእታው፥ ጥቓ ደብረ ዘይት ናብ ዘለዋ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረቡ፥ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ።
2
“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ናብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ።
3
ዝኾነ ሰብ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በሉዎ፤ ሽዑ ኽሰዶ እዩ” በሎም።
4
ምስ ከዱ ኸዓ፥ ነቲ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተኣሲሩ ረኺቦም ፈትሕዎ።
5
ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገሊኣቶም “ነቲ ገልገል ኣድጊ ንምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም።
6
ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኢየሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ ሓደግዎም።
7
ነቲ ገልገል ኣድጊ ናብ ኢየሱስ ወሰድዎ፤ ክዳውንቶምውን ጐዝጐዙሉሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።
8
ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መንገዲ ኽዳውንቶም ጐዝጐዙ። ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ ይንስንሱ ነበሩ።
9
እቶም ዝመርሑን እቶም ዝስዕቡን ድማ “ሆሳዕና! ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ!
10
እታ እትመፅእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊትውን ብርኽቲ እያ፤ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ።
11
ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ፤ ኣብ ዙርያኡ ግልፅ እናበለ ንዅሉ ምስ ረአየ፥ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቢታንያ ኸደ።
12
ንፅባሒቱ ኻብ ቢታንያ ኽወፁ እንተለዉ ኢየሱስ ጠመየ።
13
ብርሑቕ ድማ ቘፃል በለስ ረአየ፤ ፍረ እንተ ረኸበላ ኽርኢውን ናብኣ ኸደ፤ ኣብኣ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ጊዜ በለስ ስለ ዘይነበረ፥ እንትርፊ ቘፅሊ ፍረ ኣይረኸበላን።
14
ኢየሱስ “ደጊም ካባኺ ሓደኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ!” በላ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።
15
ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኮይኖም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ኽሰጎም ጀመረ። ጠረጴዛ መሽረፍትን መደርደሪ ሸየጥቲ ርግብን ገምጠለ።
16
ሓደኳ ኣቕሓ ፆይሩ፥ በታ ቤተ መቕደስ ክሓልፍ ኣይፈቐደን።
17
“ ‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ’ ዝብልዶ ተፅሒፉ የለን እዩ? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ኸተርቲ ገበርኩምዎ” በሎም።
18
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሰሚዖም፥ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ይሓስቡ ነበሩ። እንተ ኾነ ዅሉ ህዝቢ፥ ብትምህርቱ ይድነቕ ስለ ዝነበረ፥ ፈርሕዎ።
19
ምስ መሰየ ድማ ኻብታ ኸተማ ወፀ።
20
ንግሆ ኽሓልፉ እንተለዉ፥ እታ በለስ ካብ ሱራ ነቒፃ ረአይዋ።
21
ጴጥሮስ ድማ ዘከረ እሞ “መምህር፥ እታ ዝረገምካያ በለስ እኒሃ ነቒፃ” በሎ።
22
ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፥ “ብእግዚኣብሄር እመኑ፤
23
ኵሉ እቲ ዝልምኖ ኸም ዝፍፀም እንተይተጠራጠረ ብልቡ ዝኣምን፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ ተልዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ፥ ከም ዝኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
24
ስለዙይ ኵሉ እትፅልይዎን እትልምንዎን፥ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ፥ ክኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣለኹ።
25
ክትፅልዩ እንተለኹም ከዓ፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ምእንቲ ይቕረ ኽብለልኩም፥ ንብፃይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተ ሃልዩ፥ ይቕረ በሉሉ።
26
ንስኻትኩም ይቕረ እንተ ዘይልኩም፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩምውን፥ በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን እዩ” በሎም።
27
መሊሶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክመላለስ እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይትን ናብኡ መፁ።
28
“በየናይ ስልጣን እዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ወይ ከዓ ነዝ ነገራት እዙይ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካኸ መን እዩ?” በልዎ።
29
ኢየሱስ ድማ “ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም መልሱለይ፤ ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።
30
ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ድዩ ነይሩ ወይ ካብ ሰብ? እስኪ መልሱለይ” በሎም።
31
ንሳቶም ከዓ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፥ ከመይ ደኣ ዘይኣመንክምዎ ኽብለና እዩ፤ ካብ ሰብዶ ኽንብሎ?” በሉ። እንተ ኾነ እቶም ህዝቢ ዅሎም፥ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ ነቲ ህዝቢ ፈርሑ።
33
ስለዙይ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ፤ ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።
← Chapter 10
Chapter 12 →