bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 6
Luke 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ብሰንበት፥ ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ፥ በእዳዎም እናሓሰዩ ኽበልዑ ጀመሩ።
2
ካብ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “ስለ ምንታይ፥ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ትገብሩ ኣለኹም?” በልዎም።
3
ኢየሱስ ድማ “ዳዊት፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ እሞ፥ ንኻህናት ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ክበልዖ ዘይግባእ፥ ሕብስቲ ቝርባን ወሲዱ ኸም ዝበልዐ፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦም፥ ኣየንበብኩምን ዲኹም?” ኢሉ መለሰሎም።
5
“ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ” ድማ በሎም።
6
ብኻልእ ሰንበት ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃረ፤ ኣብኡውን የማነይቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።
7
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም፥ ይፀናተውዎ ነበሩ።
8
ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፥ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ “ተስእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል!” በሎ። ንሱውን ተሲኡ ደው በለ።
9
ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም።
10
ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ፥ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ዘርግሐ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።
11
ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ።
12
ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ።
13
ምስ ወግሐ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀውዖም፤ ካብኣቶም ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መረፀ፤ “ሃዋርያት” ኢሉ ድማ ሰመዮም፤
14
ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን፥ እንድርያስ ሓዉን፥ ያእቆብን፥ ዮሃንስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥
15
ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናኢ ዝተብሃለ ስምኦንን፥
16
ይሁዳ ወዲ ያእቆብን፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን ነበሩ።
17
ኢየሱስ ምስኣቶም ወሪዱ ድማ፥ ለጥ ኣብ ዝበለ መይዳ ደው በለ፤ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ድማ፥ ካብ ኵሉ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን፥
18
ምእንቲ ኽሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኽፍወሱን ናብኡ መፁ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ።
19
ካብኡ ሓይሊ ወፂኡ፥ ንዅሎም የሕውዮም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኽነኽእዎ ይደልዩ ነበሩ።
20
ንሱ ግና ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ድኻታት፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም እያ እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ኣቱም ሕዚ እትጠምዩ፥ ክትፀግቡ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።
21
ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ፥ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።
22
ሰባት ምእንቲ ‘ወዲ ሰብ’ እንተ ፀልኡኹም፥ እንተ ፈለዩኹም፥ እንተ ፀረፉኹም፥ ንስምኩምውን እንተ ኣነወርዎ፥ ብፁኣን ኢኹም።
23
እንሆ ኣቦታቶም ድማ፥ ንነቢያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ደስ ይበልኩም፤ ብሓጐስውን ዝለሉ።
24
ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኹም ኢኹም እሞ ወይለኹም!
25
ኣቱም ሕዚ እትፀግቡ፥ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትስሕቑ፥ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!
26
ኵሉ ሰብ ፅቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፥ ወይለኹም! ኣቦታቶምውን ንሓሰውቲ ነቢያት ከምኡ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም እሞ።
27
“ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንእትሰምዑኒ እብለኩም ኣለኹ፦ ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝፀልኡኹም ድማ ፅቡቕ ግበሩ።
28
ንዝረግሙኹም መርቑ፤ ምእንቲ እቶም ዝብድሉኹም ፀልዩ።
29
መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ፥ እታ ኻልአይታውን ኣዙረሉ፤ ነፀላኻ ንዘሕደገካ፥ እጀ ጠባብካውን ኣይትኽልኣዮ።
30
ንዝለመነካ ሃብ፤ ገንዘብካ ንዝወሰደውን፥ ምለሰለይ ኣይትበሎ።
31
ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
32
“ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም።
33
ሰናይ ንዝገብሩልኩም ጥራሕ፥ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ከምኡስ ሓጥኣንውን ይገብሩ እዮም።
34
ክፈድየኩም ንትፅበይዎ እንተ ኣለቃሕኹምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንሓጥኣን፥ ክንድቲ ዘለቅሕዎም ክፍደዩ የለቅሕዎም እዮም።
35
ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም።
36
ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ።
37
“ኣይትፍረዱ፤ ኣይትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ፤ ኣይትዅነኑን ድማ ኢኹም፤ ይቕረ በሉ፤ ይቕረ ኽትበሃሉ ኢኹም።
38
ሃቡ፤ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ፥ ክስፈረልኩም እዩ፤ ብፅቡቕ መስፈሪ ዝመልአ፥ ዝተፀቐጠ፥ ዝተነነወ፥ ሕልፍን ትርፍን ዝኾነ፥ ኣብ ሕቝፍኹም ክወሃበኩም እዩ።”
39
መሊሱውን ብምስላ ኸምዙይ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ? ክልቲኦምከ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን ድዮም?
40
ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልፅን፤ ኵሉ ተምሂሩ ዝወድአ ግና፥ ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን።
41
“ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ እንተይረአኻ፥ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምንታይ ትርኢ?
42
ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ፥ ንሓውካ፥ ‘ኣታ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ’ ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ፥ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ፥ ኣፅሪኻ ኽትርኢ ኢኻ።
43
“ሕማቕ ፍረ ዝፈሪ፥ ፅቡቕ ኦም የለን፤ ወይ ከዓ ፅቡቕ ፍረ ዝፈሪ ሕማቕ ኦም የለን።
44
በለስ፥ ካብ እሾኽ ኣይእረን፤ ወይኒ እውን፥ ካብ ኣሜከላ ኣይቕንጠብን እዩ፤ ኵሉ ኦም፥ ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ።
45
ኣፍ ድማ፥ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፥ እቲ ቕኑዕ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ድማ፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ እዩ ዘውፅእ።
46
“ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ጐይታ! ጐይታ! እትብሉኒ?
47
ኵሉ እቲ ናባይ ዝመፅእን፥ ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን፥ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ።
48
ንሱ ገዛኡ ኽሰርሕ እንተሎ፥ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን፥ መሰረቱውን ኣብ ኰዅሒ ዝሰረተን ሰብ እዩ ዝመስል። ብርቱዕ ውሕጅ መፂኡ፥ ነቲ ገዛ ደፍኦ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተሰረተ ግና፥ ክነቓነቕ ኣይከኣለን።
49
እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛኡ ብዘይ መሰረት፥ ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።”
← Chapter 5
Chapter 7 →