bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 5
Luke 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዙሓት ህዝቢ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ ናብኡ እናተዳፍኡዎ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጌንሴሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።
2
ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ፥ ክልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ድማ፥ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ።
3
ካብተን ጃልባታት ኣብ ሓዲአን፥ ኣብታ ናይ ስምኦን ጃልባ ደዪቡ፥ ካብ ምድሪ ቑሩብ ኣርሕቕ ከብላ ጠየቖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።
4
ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸዓ ንስምኦን “ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ቕርብ በል እሞ፥ ዓሳ ኽተስግሩ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ።
5
ስምኦን ድማ “መምህር፥ ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
6
ከምኡ ምስ ገበሩ ኸዓ፥ እቲ መርበቦም ክሳዕ ዝብተኽ፥ ብዙሓት ዓሳታት ሓዙ።
7
ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም፥ መፂኦም ክሕግዝዎም ፀውዕዎም። መፂኦም ድማ፥ ክልቲአን ጃልባታት፥ ንምጥላቕ ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን።
8
ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።
9
እዙይ ከዓ ንሱን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ በቲ ኸስግሩ እንተለዉ ዝሓዝዎ ዓሳ ስለ ዝተገረሙ እዩ።
10
ከምኡውን እቶም ብፆት ስምኦን ዝነበሩ፥ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ ንስምኦን “ኣይትፍራሕ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ኣስጋሪ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ።
11
ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም፥ ንዅሉ ሓዲጎም ተኸተልዎ።
12
ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓዲአን እንተሎ፥ እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ ዝሓዞ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፀ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ብግምባሩ ተደፊኡ፥ “ኦ ጐይታ! እንተ ፈቒድካስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።
13
ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ኢሉ ዳህሰሶ፤ እቲ ለምፂ ዝሓዞ ሰብ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ።
14
ንሱ ኸዓ “ኪድ፥ ንባዕልኻ ብዛዕባኡ ኣርኢ፤ ስለ ዝነፃህካ ድማ፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መስዋእቲ ኣቕርብ እምበር፥ ንሓደኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዘዞ።
15
ዝናኡ ግና የመና ገኒኑ ተሰምዐ፤ ብዙሓት ህዝቢ እውን ክሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ክፍወሱን ናብኡ ተኣከቡ።
16
ንሱ ግና ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ይፅሊ ነበረ።
17
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ክምህር እንተሎ፥ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን፥ ይሁዳን፥ ካብ ኢየሩሳሌምን፥ ዝመፁ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን፥ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ እቲ ሕሙማት ዘሕውየሉ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ።
18
እንሆ ኸዓ ሰባት ሓደ መፃጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ፤ ኣብ ገዛ ኣእትዮምውን ንኽፍውሶ ኣብ ቅድሚኡ ኸንብርዎ ይደልዩ ነበሩ።
19
ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘእትውዎ ምስ ተሸገሩ፥ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ፥ ነቲ ሰርወ ኣልዒሎም፥ ምስ ዓራቱ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣውሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ።
20
ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ “ኣታ ሰብኣይ፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
21
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግና “እዝ ንእግዚኣብሄር ዝፀርፍ ዘሎ መን እዩ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄርከ፥ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ኽሓስቡ ጀመሩ።
22
ኢየሱስ ከዓ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ኢልኩም ትሓስቡ?
23
ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ምባልዶ ወይ፥ ‘ተሲእኻ ኺድ’ ምባል?
24
እምበኣር፥ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ነቲ መፃጕዕ፥ “ንኣኻ እብለካ ኣለኹ፥ ተስእ እሞ ዓራትካ ፆይርካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።
25
ንሱ ድማ ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብድድ ኢሉ፥ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ፆይሩ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ፥ ናብ ገዛኡ ኸደ።
26
ኵሎም ድማ ተገረሙ፤ ፍርሓትውን ሓደሮም፤ “ሎምስ ዘደንቕ ነገር ርኢና!” እናበሉ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።
27
ድሕሪዙይ ካብኡ ምስ ወፀ፥ ሌዊ ንዝበሃል ተቐባሊ ቐረፅ፥ ኣብ መቐበሊ ቀረፅ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ “ተኸተለኒ!” በሎ፥
28
ተሲኡ ኸዓ ንዅሉ ሓዲጉ ተኸተሎ።
29
ሌዊ ድማ ንኢየሱስ፥ ኣብ ገዛኡ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን፥ ካልኦት ሰባትን ምስኣቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ነበሩ።
30
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ትበልዑን ትሰትዩን ኣለኹም?” እናበሉ ኣጕረምረሙ።
31
ኢየሱስ ከዓ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።
32
ንሓጥኣን ናብ ንስሃ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” ኢሉ መለሰሎም።
33
ንሳቶም ድማ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ጊዜ ይፆሙ፤ ፀሎትውን ይገብሩ፤ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፤ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ስለ ምንታይ ይበልዑን ይሰትዩን?” በልዎ።
34
ኢየሱስ ከዓ “ኣዕርኽቲ መርዓዊ፥ እቲ መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይኽእሉን።
35
ግና እቲ መርዓዊ፥ ካብኣቶም ዝውሰደሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ሽዑ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ክፆሙ እዮም” በሎም።
36
ከምዙይ ኢሉ ድማ መሰለሎም፥ “ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደኳ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ መልገባ፥ ምስቲ ብላይ ስለ ዘይሰማማዕ፥ እቲ ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ነቲ ብላይ ይቐዶ።
37
ንሓድሽ ወይኒ እውን፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ሓርቢ ይቐዶ፤ እቲ ወይኒ እውን፥ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ድማ ይበላሾ።
38
ንሓድሽ ወይንስ፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዮም ዝመልእዎ።
39
ከራሚ ወይኒ እናሰተየ፥ ነቲ ኸራሚ ወይኒ ደኣ ጥዑም ይብል እምበር፥ ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የለን።”
← Chapter 4
Chapter 6 →