bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 7
Luke 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ኵሉ ዘረባኡ፥ ነቶም ህዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ፥ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።
2
ኣብኡ ኸዓ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ፥ ዝፈትዎ ሓሽከር ዝነበሮ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ።
3
ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፥ መፂኡ ንሓሽከሩ ኸሕውየሉ፥ ሽማግለታት ኣይሁድ ንኽልምንዎ ናብኡ ለኣኸ።
4
ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፤ ቤተ ፀሎትና ዝሰርሐልናውን ንሱ እዩ እሞ፥ እዙይ ክትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣበርቲዖም ለመንዎ።
6
ኢየሱስ ከዓ ምስኣቶም ከደ፤ ናብ ገዛኡ ምስ ቀረበ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕርኽቱ ልኢኹ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ጐይታ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን እዩ እሞ ኣይትድከም።
7
ስለዙይ ድማ እየ፥ ናባኻ ንምምፃእ፥ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈፀርኩ። ግና ሓንቲ ቓል ተዛረብ ሓሽከረይ ክሓዊ እዩ።
8
ኣነውን ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይውን ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።
9
ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ ኸዓ “ከምዙይ ዝበለ እምነት፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
10
እቶም ልኡኻት፥ ናብ ገዛ ምስ ተመለሱ ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ሓሽከር ሓውዩ ረኸብዎ።
11
ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ናይን ናብ እትብሃል ዓዲ ኸደ፤ ምስኡ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።
12
ናብ በሪ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ፥ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ፥ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ።
13
ጐይታ ኢየሱስ ምስ ረአያ ራህርሀላ እሞ፥ “ኣይትብከዪ” በላ።
14
ቀሪቡውን ነቲ ቓሬዛ ነኽኦ፤ እቶም ፀወርትውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸዓ “ኣታ ጐበዝ፥ ተስእ እብለካ ኣለኹ!” በሎ።
15
እቲ ምዉት ድማ ተሲኡ ኾፍ በለ፤ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ንኖኡ ሃባ።
16
ንዅሎም ከዓ ፍርሓት ሓዞም፤ “ኣብ ማእኸልና ዓብዪ ነቢይ ተሲኡልና፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ተመልኪትዎ” እናበሉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣመስገንዎ።
17
ዝናኡውን ኣብ ኵላ ይሁዳን ከባቢኣን ተሰምዐ።
18
ደቀ መዛሙርቱ ድማ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ንዮሃንስ ነገርዎ።
19
ዮሃንስ ከዓ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ “እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?” ኢሉ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ለኣኾም።
20
እቶም ዝለኣኾም፥ ናብ ኢየሱስ ምስ በፅሑ “ ‘እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?’ ኢሉ መጥምቕ ዮሃንስ ናባኻ ልኢኹና” በልዎ።
21
ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኢየሱስ ካብ ሕማምን ቃንዛን፥ ካብ ርኹሳት መናፍስትን፥ ንብዙሓት ኣሕወየ፤ ንብዙሓት ዕዉራትውን ከም ዝሪኡ ገበሮም።
22
ኢየሱስ ከዓ “ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምውታን ይትስኡ፤ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኸሎም ኣሎሞ፥ ኬድኩም ዝረአኹምዎን ዝሰማዕኹምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ።
23
ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
24
እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ ምድረ በዳ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምብቆዶ?
25
እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ቀጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዝተኸደነ ሰብዶ፥ ክትሪኡ ወፂእኹም? እንሆ ብቐጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዘጌፁን፥ ብምቾት ዝነብሩንስ፥ ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ኣለዉ።
26
እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይዶ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝዓቢ እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
27
ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ፥ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ።
28
ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም፥ ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ ነቢይ፥ ሓደኳ የለን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ግና፥ እቲ ዝንእሶ እዩ ዝዓብዮ።”
29
ኵሎም ህዝብን ተቐበልቲ ቐረፅን ከዓ እዙይ ሰሚዖም፥ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ስለ ዝነበሩ “መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ” በሉ።
30
ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ግና፥ ብእኡ ስለ ዘይተጠመቑ ነቲ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይተቐበልዎን።
31
“እምበኣር ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ንመንከ ይመስል?
32
እቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቕመጡሞ ንስንሳቶም ተፀዋዊዖም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን፤ ዝበሃሃሉ ቘልዑ ይመስሉ።’
33
እንጀራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን፥ መጥምቕ ዮሃንስ እንተ መፀ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ።
34
ዝበልዕን ዝሰትን፥ ወዲ ሰብ እንተ መፀ ድማ ‘እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ቐረፅትን ሓጥኣንን’ ትብሉ።
35
ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ሓቅነታ ተረጋገፀ።”
36
ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን፥ ንኢየሱስ ምስኡ ኽመስሕ ጠየቖ፤ ናብ ገዛኡ ኣትዩ ድማ፥ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
37
እንሆ ኣብቲ ዓዲ፥ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት፤ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ፥ ኣብ ማእዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ፥ ጥዑም ጨና ዘለዎ፥ ብኣልባስጥሮስ ኣብ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ዝመልአ ሽቱ ኣምፅአት።
38
ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና፥ እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ኽተርሕሶ ጀመረት፤ ብፀጕሪ ርእሳ እናደረዘት ድማ እግሩ ትስዕሞ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱውን ትቐብኦ ነበረት።
39
እቲ ዝፀውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዙይ ሪኡ፥ “እዙይ ነቢይ እንተ ዝኸውንስ፥ እዛ እትነኽኦ ዘላ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ እያ እሞ፥ እንታወይትን ከመይ ዝበለት ምዃናን ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
40
ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን፥ ዝብለካ ኣለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ “መምህር፥ ተዛረብ” በሎ።
41
“ንሓደ መለቅሒ፥ ክልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፥ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ።
42
ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፥ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካብኣቶም እቲ የመና ዘፍቅሮ ኣየናይ እዩ?”
43
ስምኦን ከዓ “ንኣይስ እቲ ብዙሕ ዝተሓደገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፤ ኢየሱስ ድማ “ሓቂ ተዛሪብካ” በሎ።
44
ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።
45
ንስኻ ኣይሰዓምካንን፤ እዚኣ ግና ኻብ ዝኣቱ ጀሚራ፥ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረፀትን።
46
ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእኻንን፥ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብሽቱ ቐብአትኒ።
47
ስለዙይ ብዙሕ ስለ ዝፈተወት፥ ንኣኣ እቲ ብዙሕ ሓጢኣታ ተሓዲጉላ እዩ፤ እብለካ ኣለኹ። እቲ ቑሩብ ዝሕደገሉ ግና፥ ቁሩብ እዩ ዘፍቅር።”
48
ንኣኣ ድማ፦ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ” በላ።
49
እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ብልቦም “እዙይ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእልስ መን እዩ?” ኢሎም ሓሰቡ።
50
ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።
← Chapter 6
Chapter 8 →