bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 23
Luke 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ዅላቶም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተሲኦም፥ ንኢየሱስ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ።
2
ንሳቶም ድማ “እዝ ሰብዙይ ንህዝብና እንተስሕቶም፥ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ እንትኽልክሎም፥ ባዕሉውን ‘ክርስቶስ ንጉስ እየ’ እናበለ፥ ክዛረቦም እንተሎ ረኺብናዮ” እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ።
3
ጲላጦስ ከዓ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ፤ “ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።
4
ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ነቶም ህዝብን “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም።
5
ንሳቶም ግና፥ “ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብዙይ፥ ኣብ ኵሉ ይሁዳ እናመሃረ፥ ንህዝቢ የለዓዕል ኣሎ” እናበሉ ኣምሪሮም ተናገሩ።
6
ጲላጦስ ከዓ ገሊላ እንትብሉ ምስ ሰምዐ፥ ገሊላዊ ምዃኑ ጠየቐ።
7
ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፥ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፤ ንሱ በታ ቕነ እቲኣ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበረሞ።
8
ሄሮድስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ይሰምዕ ነበረ፤ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩውን ክሪኦ ይደሊ ነበረ፤ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይምነ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ የመና ተሓጐሰ።
9
ብዙሕ ነገራትውን ጠየቖ፤ ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።
10
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ።
11
ሄሮድስውን ምስ ሓሻኽሩ ኾይኑ፥ ኣቃለሎን ሓጨጨሉን፤ ቀይሕ ክዳን ክብሪ ኸዲኑ ድማ፥ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ።
12
ጲላጦስን ሄሮድስን፥ ቅድም እንትብል ፅልኢ ነይርዎምስ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ተዓረቑ።
13
ጲላጦስ ግና፥ ንሊቃነ ካህናትን ንሽማግለታትን ንህዝብን ብሓባር ፀዊዑ፦
14
“ነዝ ሰብ እዙይ፥ ‘ህዝቢ የስሕት ኣሎ’ ኢልኩም ናባይ ኣምፂእኹምዎ፤ እንተ ኾነ፥ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፥ ካብቲ ዘቕረብኩምዎ ኽሲ፥ ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደልኳ ኣይረኸብኩን።
15
ናብ ሄሮድስ ሰዲደዮ ነይረ፤ ሄሮድስ ድማ፥ ናባና መሊሱ ሰዲድዎ። እንሆ ናብ ሞት ዘብፅሕ፥ ሓደ ነገር እኳ ኣይገበረን።
16
ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም።
17
እዙይ ዝበለ፥ በብበዓል ሓደ እሱር ክፈትሐሎም፥ ንቡር ስለ ዝነበረ እዩ።
18
እቶም ህዝቢ ድማ ዅላቶም፥ “ነዙይ ኣወግዶ! ንበርባን ግና ፍትሐልና!” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
19
በርባን፥ ኣብ ከተማ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን፥ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።
20
ጲላጦስ ንኢየሱስ ክፈትሖ ደልዩ፥ ደጊሙ ተዛረቦም።
21
ንሳቶም ግና “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ድምፂ ኣስምዑ።
22
ጲላጦስ ከዓ ንሳልሳይ ጊዜ “እንታይ ክፉእ ገበረ? ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን፤ ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም።
23
ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ክስቀል ለመንዎ፤ ቃሎምን፥ ቃል ሊቃነ ካህናትን ድማ በርትዐ።
24
ጲላጦስ ድማ ልመናኦም ክፍፀመሎም ፈረደ።
25
ነቲ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን፥ ከም ልመናኦም ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና፥ ከም ድልየቶም ክገብርዎ፥ ኣሕሊፉ ሃቦም።
26
ንኢየሱስ ሒዞምዎ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ንስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ሓዝዎ፤ መስቀል ኣሰኪሞም ድማ፥ ደድሕሪኡ ኸም ዝስዕብ ገበሩ፦
27
ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ይስዕቦ ነበረ፤ ኣንስትውን የልቅሳሉን ይበኽያሉን ነበራ።
28
ኢየሱስ ግና ናብኣተን ግልፅ ኢሉ “ኦ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፥ ምእንታይስ ኣይትብከያ፤
29
እተን መኻናትን፥ ዘይወለዳ ማህፀናትን፥ ዘየጥበዋ ኣጥባትን፥ ብፁኣት እየን፤ ዝብሉለን መዓልቲታት ክመፃ እየንሞ።
30
በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’
31
ኣብ ርሑስ ኦም ከምዙይ ዝገበሩስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?”
32
ንኽልተ ኸተርትውን ምስኡ ኽሰቕልዎም ወሰድዎም።
33
ቀራንዮ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ምስ በፅሑ፥ ኣብኡ ሰቐልዎ፤ ነቶም ክልተ ኸተርቲውን ሓደ ብየማኑ፥ ሓደ ብፀጋሙ ሰቐልዎም።
34
ኢየሱስ ድማ፥ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
35
እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፤ እቶም ሹመኛታት “ንኻልኦት ዘድሕን፥ ንሱ ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ሕሩይ እንተ ኾይኑስ፥ እስኪ ንባዕሉ የድሕን” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
36
እቶም ወታደራትውን የባጭውሉ ነበሩ፤ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ክሰትዮ መፂፅ ሃብዎ። “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻ ኣድሕን” በልዎ።
38
ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ “እዙይ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል፥ ብፊደል ግሪክን ሮማይስጥን ዕብራይስጥን ዝተፅሓፈ ፅሕፈት ነበረ።
39
ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝተሰቕሉ ኸተርቲ፥ “ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻን ንኣናን ኣድሕን” እናበለ ይሕጭጨሉ ነበረ።
40
እቲ ኻልኣዩ ግና፥ “ኣታ፥ ኣብዝ ኸምዙይ ዝበለ ፍርዲ እንተለኻ፥ ንእግዚኣብሄርዶ ኣይትፈርሕን ኢኻ?
41
ንሕናስ ብሓቂ፥ ብግብርና ዝግብአና ተፈዲና፤ እዙይ ግና፥ ሓንቲ ኽፍኣት ኣይገበረን” ኢሉ ገሰፆ።
42
ንኢየሱስ ከዓ፦ “ኦ ጐይታ! ብመንግስትኻ ኽትመፅእ እንተለኻ ዘክረኒ” በሎ።
43
ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት፥ ምሳይ ከም እትኸውን፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
44
ካብ ቀትሪ ሽዱሽተ ሰዓት፥ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ናይ መዓልቲ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ፀልማት ኮነ።
45
ፀሓይ ፀልመተት፤ መጋረጃ ቤተ መቕደስውን፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ።
46
ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት።
47
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአየ፥ “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብሓቂ ፃድቕ እዩ ነይሩ” እናበለ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ።
48
እቶም ክሪኡ ዝተኣከቡ ህዝቢ ድማ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ፥ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።
49
እቶም ዝፈልጥዎ ዅሎምን፥ እተን ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ኣንስትን ከዓ፥ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዙይ ይጥምቱ ነበሩ።
50
እንሆ፥ ዮሴፍ ዝስሙ ኣባል ባይቶ ኣይሁድ፥ ሕያዋይን ፃድቕን ሰብ መፀ።
51
ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዝበሃል፥ ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበያ ደኣ ነበረ እምበር፥ ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ግና፥ ሕብረት ኣይነበሮን።
52
ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመኖ።
53
ኣውሪዱ ኸዓ፥ ብሓድሽ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤ ሰብ ኣብ ዘይተቐበሮ፥ ውቑር መቓብርውን ቀበሮ።
54
ሽዑ መዓልቲ ምድላው፥ ድሮ ሰንበት ነበረ።
55
እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመፃ ኣንስቲ ድማ ተኸቲለን፥ መቓብሩን ነቲ ስጋኡ ኸመይ ከም ዘንበሩዎን ረአያ።
56
ተመሊሰን ከዓ ሽቱን ቅብኣትን ኣዳለዋ፤ ግና ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ፥ ሰንበት ስለ ዝኾነ ኣዕሪፈን ወዓላ።
← Chapter 22
Chapter 24 →