bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 24
Luke 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፥ ካልኦትውን ምስኣተን፥ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።
2
እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ።
3
ኣብኡ ኣትየን ግና፥ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ስጋ ኣይረኸባን።
4
ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።
5
ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን?
6
ንሱስ፥ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ‘ወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክወሃብን ክስቀልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ ግድን እዩ’ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ” በልወን።
8
ነቲ ቓሉ ኸዓ ዘከራ።
9
ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ ነዝ ዅሉ፥ ነቶም ዓሰርተ ሓደን፥ ነቶም ካልኦት ብፆቶምን ነገራኦም።
10
እተን እዙይ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ፥ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን፥ ማርያም እኖ ያእቆብን እየን። ካልኦት ኣንስትውን ምስኣተን ነበራ።
11
እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ሃተፍተፍ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ ኣይኣመንወንን።
12
ጴጥሮስ ግና ተሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፤ ድንን ኢሉ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እቲ መግነዝ በይኑ ተቐሚጡ ረአየ። በቲ ዝኾነ እናተገረመ ኸዓ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።
13
እንሆ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜትር ናብ እትርሕቕ፥ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።
14
ንሳቶም ድማ በቲ ዅሉ ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ይዘራረቡ ነበሩ።
15
እንትዘራረቡን እንትመራመሩን እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ፥ ክኸይድ ጀመረ።
16
ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተኸሊለን ነበራ።
17
ንሱ ድማ “እዝ እናኸድኩም፥ ንስንሳትኩም እትዛረብዎ ዘለኹም ነገር፥ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ከዓ ሓዚኖም ደው በሉ።
18
ሓደ ኻብኣቶም ስሙ ቀለዮጳ ዝበሃል “በዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥስ፥ ንስኻ በይንኻዶ ጋሻ ኢኻ?” ኢሉ መለሰሉ።
19
ንሱ ኸዓ “እንታይ እዩ?” በሎም፤ ንሳቶምውን ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ብዛዕባ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እዩ፤ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን፥ ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ነቢይ ነበረ።
20
ንእኡ ሊቃነ ካህናትን ሹመኛታትን፥ ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን፥ ከም ዝሰቐልዎን፥
21
ንሕና ግና፥ ንእስራኤል ዘድሕን፥ ንሱ እዩ ኢልና፥ ተስፋ ንገብር ኔርና፤ ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ዝኸውን፥ ሎሚ ሳልሳይ መዓልቲ እዩ።
22
ካባና ናብ መቓብር ገስጊሰን ከይደን ዝነበራ ኣንስቲ ግና፥ ዘገርም ነገር ነገራና።
23
ስጋኡ ምስ ሰኣና፥ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን፥ ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረአያ፥ መፂአን ነገራና።
24
ካባናውን ገሊኣቶም ሰባት፥ ናብ መቓብር ምስ ከዱ፥ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ኾይኑ ረኸብዎ፤ ንእኡ ግና ኣይረአይዎን።”
25
ንሱ ድማ፥ “ኣቱም ነቢያት ዝተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ፥ ኣቱም ዘይተስተውዕሉ፥
26
ክርስቶስ ነዝ መከራ እዙይ ክቕበል እሞ፥ ናብ ክብሩ ኽኣቱ ግድንዶ ኣይኮነን?” በሎም።
27
ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።
28
ናብታ ይኸዱዋ ዝነበሩ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ሓሊፉ ዝኸይድ መሰለ።
29
ንሳቶም ግና “መስዩ እዩ፤ ፀሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፥ ምሳና ሕደር” ኢሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ምስኣቶም ክሓድር ኣተወ።
30
ኣብ ማእዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ፥ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ባሪኹ፥ ቈሪሱ ሃቦም።
31
ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ እሞ ኣለለይዎ፤ ንሱ ግና ኻብኣቶም ተሰወረ።
32
ንስንሳቶም ከዓ “እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን፥ መፃሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልፀልናን እንተሎዶ ግዳ፥ ልብና ይነደና ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ።
33
በታ ሰዓት እቲኣ ተልዒሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱን፥ ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩን ተኣኪቦም ረኸብዎም።
34
“ብሓቂ ጐይታ ተሲኡ እዩ! ንስምኦንውን ተርእዩዎ እዩ” ይብሉ ነበሩ።
35
እቶም ክልተ ድማ፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝኾነን፥ እንጀራ ኽቘርስ እንተሎ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዘለለይዎን ነገርዎም።
36
እዙይ ክዘራረቡ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ባዕሉ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
37
ንሳቶም፥ መንፈስ ዝረአዩ መሲልዎም ደንገፁ።
38
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓዓል?
39
ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ” በሎም።
40
እዙይ ኢሉ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።
41
ንሳቶም ድማ ኻብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ምእማን ስኢኖም እናተገረሙ እንተለዉ፥ “ዝኾነ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም።
42
ንሳቶም ድማ ጥቡስ ዓሳን፥ ወለላ መዓርን ሃብዎ።
43
ተቐቢሉ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም በልዐ።
44
ንሱ ድማ “እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን፥ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ኽፍፀም ግድን እዩ ኢለ፥ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ” በሎም።
45
ሽዑ ነተን መፃሕፍቲ ኸስተውዕልወን፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።
46
ቀፂሉ ድማ “ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ካብ ሞት ከም ዝትስእ፥
47
ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።
48
ናይዝ ነገራትዙይ መሰኻኽርውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።”
49
“እንሆ ኣነ፥ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ፅንሑ” በሎም።
50
ሽዑ ኢየሱስ ንወፃኢ፥ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፤ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
51
ክባርኾም እንተሎ ኸዓ፥ ካብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
52
ንሳቶም ድማ ሰገዱሉ፤ ብብዙሕ ሓጐስውን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
53
ኩልሻዕውን ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።
← Chapter 23