bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 22
Luke 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፋሲካ ዝበሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ።
2
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ነቶም ህዝቢ ይፈርሑ ስለ ዝነበሩ፥ ከመይ ገይሮም ንኢየሱስ ከም ዝቐትልዎ፥ ይበላሓቱ ነበሩ።
3
ሽዑ ሰይጣን ኣብ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ሓደረ። ንሱ፥ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ነበረ።
4
ከይዱ ኸዓ፥ ከመይ ገይሩ ኣሕሊፉ ኸም ዝህቦም፥ ምስቶም ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ተዘራረበ።
5
ንሳቶምውን ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎ ኸዓ ተወዓዓልዎ።
6
ይሁዳ ድማ ተሰማምዖም፤ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኸትሕዞውን፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
7
እታ በጊዕ ፋሲካ ዝሓርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ በፅሐት።
8
ኢየሱስ ከዓ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን “በጊዕ ፋሲካ ኽንበልዕስ፥ ኬድኩም ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም።
9
ንሳቶም ከዓ “ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።
10
ንሱ ድማ “እንሆ፥ ኣብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ዕትሮ ማይ ዝፆረ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ሰዓብዎ።
11
ነቲ በዓል ገዛ ኸዓ ‘መምህር እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋሲካ ዝበልዐላ፥ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ።
12
ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ደብሪ ዝተነፀፈ፥ ገፊሕ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ እሞ፥ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም።
13
ከይዶም ድማ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ በጊዕ ፋሲካውን ኣዳለዉ።
14
እታ ሰዓት ምስ በፅሐት፥ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
15
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ቅድሚ መከራይ፥ ምሳኻትኩም በጊዕ ፋሲካ ኽበልዕ፥ ብዙሕ ሃረር ኢለ ነይረ።
16
እዙይ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ደጊም ካብዙይ ከም ዘይበልዕ እብለኩም ኣለኹ።”
17
ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፦ “እንኩ፥ እዙይ ንዅልኻትኩም ተኻፈልዎ።
18
መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመፅእ፥ ካብ ፍረ ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” በለ።
19
ሕብስቲ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እናበለ ሃቦም።
20
ከምኡውን ድሕሪ ድራር፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ፥ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ በቲ ምእንታኻትኩም ብዝፈስስ ደመይ ዝግበር፥ ሓድሽ ኪዳን እዩ።
21
ግና ኢድ እቲ ዘትሕዘኒ ኣብ ማእዲ ምሳይ እኒሃ።
22
ወዲ ሰብስ ከምቲ ዝተፅሓፈሉ ክኸይድ እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ!” በለ።
23
ካብኣቶም እዙይ ዝገብር መን ከም ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ተጠያየቑ።
24
ብድሕሪኡ እቶም ደቀ መዛሙርት “ካብ መንጎኣቶም መን ከም ዝዓቢ” ንስንሳቶም ተኸራኸሩ።
25
ሽዑ ኢየሱስ፦ “ንኣህዛብ ነገስታቶም ይገዝእዎም፤ እቶም ስልጣን ዘለዎም ከዓ፥ ገበርቲ ሰናይ ይበሃሉ።
26
ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኹን፤ ኣባኻትኩምስ፥ እቲ ዓብዪ ኸም ንእሽተይ፥ እቲ ሓለቓ ኸም ኣገልጋሊ ይኹን።
27
ካብቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥን፥ ካብቲ ዘገልግልን ኣየናይ ይዓቢ? እቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥዶ ኣይኮነን? ኣነ ግና ኣብ ማእኸልኩም፥ ከም ኣገልጋሊ እየ።
28
ንስኻትኩም ብመከራይ ምሳይ ዝተዓገስኩም ኢኹም እሞ፥
29
ኣብታ መንግስተይ፥ ኣብ ማእደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፥ ኣብ ዙፋናት ተቐሚጥኩም ድማ፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ፥ ከምቲ ኣቦይ ንኣይ መንግስቲ ዝሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ኣነ መንግስቲ እህበኩም ኣለኹ” በሎም።
31
ኢየሱስ “ስምኦን! ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ።
32
ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣፀናንዓዮም” በሎ።
33
ስምኦን ግና “ኦ ጐይታ! ኣነስ ንማእሰርቲ ኾነ ንሞት፥ ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣለኹ” በሎ።
34
ንሱ ግና “ጴጥሮስ፥ ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ ኸም ዘይትፈልጠኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
35
ኣስዒቡ ድማ፦ “እቲ ብዘይ ሳንጣ፥ ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን” በልዎ።
36
“ሕዚ ግና ሳንጣ ዘለዎ ይማላእ፤ ከምኡውን ስንቂ፤ እቲ ዘይብሉውን ክዳኑ ሸይጡ፥ ሰይፊ ይዓድግ።
37
እብለኩም ኣለኹ፥ ‘ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ’ ዝብል ፅሑፍ፥ ኣባይ ክፍፀም ግድን እዩ። እወ እቲ ዅሉ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ሕዚ ይፍፀም ኣሎ” በሎም።
38
ንሳቶም ከዓ፥ “ጐይታ፥ እንሆ፥ ኣብዙይ ክልተ ኣስይፍቲ ኣለዉ” በልዎ። ንሱ ድማ “ይኣክል” በሎም።
39
ኢየሱስ ወፂኡ ኸምቲ ልማዱ ኽፅሊ፥ ናብ ደብረ ዘይት ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ተኸተልዎ።
40
ኣብታ ስፍራ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ፀልዩ” በሎም።
41
ንሱ ድማ ኻብኣቶም ዳርባ እምኒ ዝኣክል ርሒቑ፥ ተንበርኪኹ
42
“ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓድካ ደኣ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይኹን” እናበለ ፀለየ።
43
ዘበረታትዖ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ሰማይ ተርኣዮ።
44
የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ።
45
ካብ ፀሎቱ ተሲኡ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ፥ ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ደቂሶም ረኸቦም።
46
ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ” በሎም።
47
ኢየሱስ እዙይ እናበሎም እንተሎ፥ እንሆ ብዙሓት ሰባት መፁ፤ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ ድማ፥ ይመርሖም ነበረ፤ ንኢየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ።
48
ኢየሱስ ድማ “ይሁዳ፥ ብምስዓምዶ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ?” በሎ።
49
እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኸዓ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “ጐይታ፥ ብሰይፊ ኽንወቕዖምዶ ትፈቅድ ኢኻ?” በልዎ።
50
ሓደ ኻብኣቶም ድማ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ የማነይቲ እዝኑውን ቈረፆ።
51
ኢየሱስ ግና “እዙይስ ሕደግ” ኢሉ፥ እዝኑ ዳህሲሱ ኣሕወዮ።
52
ኢየሱስ፥ ነቶም ክሕዝዎ ዝመፁ ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሽማግለታትን፦ “ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ሒዝኩም መፂእኹምኒ?
53
ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ነይረ፤ ኣእዳውኩምኳ ኣየልዓልኩምለይን፤ እዙይ ግና ጊዜኹምን፥ ጊዜ ናይ ፀልማት በዓል ስልጣንን እዩ” በሎም።
54
ሒዞም ድማ ናብ ገዛ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ጴጥሮስ ከዓ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ።
55
ኣብ ውሽጢ እቲ መካበብያ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ነበሩ። ጴጥሮስውን ኣብ መንጎኣቶም ተቐሚጡ ነበረ።
56
ሓንቲ ገረድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረአየቶ ኣትኲራ ጠሚታ፥ “እዙይውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት።
57
ንሱ ግና፥ “ኣቲ ሰበይቲ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ።
58
ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ካልእ ምስ ረአዮ “ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣይኮንኩን” በሎ።
59
ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ካልእ ሰብ “እዙይ ገሊላዊ እዩ፤ ብርግፅውን ምስኡ ነይሩ እዩ” እናበለ ኣትሪሩ ተዛረበ።
60
ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ነዝ እትብሎ ዘለኻ ኣይፈልጦን እየ” በለ። እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ሽዑ ዶርሆ ነቀወ።
61
ጐይታ ኢየሱስ ድማ፥ ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ “ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ።
62
ጴጥሮስ ድማ ናብ ደገ ወፂኡ፥ መሪር ብኽያት በኸየ።
63
እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ሰባት ድማ፥ የላግፁሉን ይወቕዕዎን ነበሩ።
64
ገፁ ሸፊኖም ድማ ይፀፍዕዎ፥ “እስኪ ተነበየልና፥ መን እዩ ዝፀፍዐካ?” እናበሉ ይጥይቕዎ ነበሩ።
65
እናፀረፉ ኸዓ ብዙሕ ካልእ ነገራት በልዎ።
66
ምስ ወግሐ፥ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ተኣኪቦም፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ። “ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ እስኪ ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እንተ ነገርኩኹም ኣይትኣምኑንን፤
68
እንተ ጠየቕኩኹም ድማ፥ ኣይትምልሱለይን፤ ኣይትሰዱንንውን ኢኹም።
69
ካብ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ብየማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ክቕመጥ እዩ” በሎም።
70
ኵሎም ከዓ፥ “እምበኣር ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ?” በልዎ። ንሱ ድማ፥ “ከምኡ ኸም ዝኾንኩስ፥ ንስኻትኩምኳ ትብሉ ኣለኹም” በሎም።
71
ንሳቶም ከዓ “ባዕልትና ኻብ ኣፉ ኻብ ሰማዕናኸ፥ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና?” በሉ።
← Chapter 21
Chapter 23 →